ሪቻርድ ጊር ካብ ሓደጋ ባሕሪ ንዝደሓኑ ስደተኛታት በጺሑ

Radio Erena: 11 August 2019

ልዕሊ 100 ዝኾኑ ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ካብ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ከምዝደሓነት ካብ ኢጣልያ ዝተመሓላለፈ ዜና ኣመልኪቱ።
እቶም ኤስ.ኦ.ኤስ. መዲተራንያን ምስ ሓካይም ብዘይዶብ ብዘካየዱዎ ጻዕሪ ዝደሓኑ ሓያሎ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ወዲ ሓደ ዓመት ዝርከቦም ኣርባዕተ ህጻናትን፣ ደቀንስትዮን ከምዝርከብዎም ተገሊጹ።
ነቶም ብዓርቢ 9 ነሓሰ ካብ ሞት ዝደሓኑ ስደተኛታት ንምቕባል ህቡብ ኣመሪካዊ ተዋሳኢ ፊልም ሪቻርድ ጊር ናብታ መርከብ ብምኻድ መግብን ማይን ከምዝዓደሎም ብቪድዮ ኣብ ዝሰደዶ መልእኽቲ ገሊጹ። እቶም ስደተኛታት ኣብ ክልተ ጀላቡ ከምዝነበሩ፣ እንተኾነ እታ ሓንቲ ጃልባ ብሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ተታሒዛ ንድሕሪት ከምእትምለስ ዝለዝተገብረት ኣብ ምንታይ ኩነታት ከምዘለዉ ክንፈልጥ ኣይከኣልናን ክብል ሪቻርድ ጊር ገሊጹ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0