ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ 18 ኣዋርሕ ክምለስ’ዩ ዝብል ወረ ኣብ መንጎ ተዓላሞ ሳዋን ኣባላት ሰራዊትን ብብዝሒ ይናፈስ ኣሎ

ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ 18 ኣዋርሕ ክምለስ’ዩ ዝብል ወረ ኣብ መንጎ ተዓላሞ ሳዋን ኣባላት ሰራዊትን ብብዝሒ ይናፈስ ኣሎ

Radio Erena: 05 December 2014

Sawa

መንግስቲ ኤርትራ እቲ ሓደ ካብ ኣውራ ጠንቕታት ስደት ምዃኑ ክግለጽ ዝጸንሐ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ 18 ኣዋርሕ ክምልሶ’ዩ ዝብል ወረ ኣብ ኣባላት ሰራዊትን ተዓላሞ ሳዋን ይዝርግሕ ምህላዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እዚ ብመንግስቲ ብወግዒ ዘይተኣወጀ ግን ከኣ ካድራት ናይቲ መንግስቲ ክዛረብሉ ዝስምዑ ዘለዉ ጉዳይ ናይ ግዜ ገደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ኣብ ሮማ እብ ዝተኻየደ ኣኼባ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ሕብረት ኤውሮጳን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን’ውን ከምዝተላዕለ’ውን ምንጭታት ኤረና የመልክቱ።

 

ኤርትራ ብዋሕዚ ስደተኛታት ምስተን ቀዳሞት ሃገራት ዓለም ተሰሪዓ ኣብ ዘላትሉ ግዜ፣ መብዛሕቶም እቶም ፖለቲካዊ ዑቕባ ዝሓቱ ኤርትራውያን ጉዳይ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከም ጠንቒ ከምዘቕርብዎ ዝፍለጥ’ዩ።

ብሃገራት ሕብረት ኤውሮጳን ይኹን ካልኦት መሻርኽትን ለገስትን ሃገራት ናብ መግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝቐረብ ጥርዓናት’ውን እቲ መንግስቲ መንእሰያት ኣብ ውትህድርና ካብ ዝጸምዶም ናብ ልምዓትን ትምህርትን ከተኩር ዝብል ምዃኑ እቶም ምንጭታት የረድኡ።

መንግስቲ ኤርትራ ዜጋታቱ ኣብ ልምዓትን ትምህርትን ንኽዋፈሩ ዝዓለም ተበግሶታት ፕሮጀክታት ሕብረት ኤውሮጳን መንግስቲ ፊንላንድ ከምዘሎ’ውን ከም ኣብነት ኣቕሪቦም።

ብሰንኪ እዚ ድፍኢታት እዚን ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ከኣ ደገፍን ልምዓታዊ ሓገዝ ንምርካብን መንግስቲ ኤርትራ ብካድራቱ ኣቢሉ ሃገራዊ ኣገሎት ናብቲ ኣብ 1994 ዝተኣወጀሉ ናይ ናይ ግዜ ገደብ ከምዝተመልሰ የናፍስ ኣሎ።

ኣብ ሳዋ ዝርከቡ ተዓላሞን ኣባላት ሰራዊትን’ውን እዚ ብወግዒ ዘይተነግረ ጉዳይ ክዘራረብሉ ይውዕሉ ምህላዎም እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ይጠቕስ።

መንግስቲ ኤርትራ ኣቐዲሙ’ውን ቅዋም ናይ ምትግባርን ካልእ ጽገናታትን ዝመሰለ ወረታት ብካድራቱ ዘናፍስ እኳ እንተኾነ ኣብ ግብሪ ግና ብወግዒ ዝእወጅ ኮነ ዝትግበር ነገር ኣይተራእየን።

ኤርትራ ኣብ ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ዘየላ ክነሳ፣ ብወገን ኢትዮጵያ ዘሎ ስግኣት ስለዘይትኣልየ ብዝብል ጉልባብ መንግስቲ ንዝበዝሐ ኣፍራዩ ዓቕሚ ናይ ግዜ ገደብ ኣብ ዘይብሉ ግዱድ ውትህድርና ጸሚድዎ ምህላዉ ዝፍለጥ’ዩ።

===================================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0