ገስጋስ ዕጡቓት ተቓወምቲ ሑቲ ናይ የመን ኣብ ሃገራት ቀይሕ ባሕሪ ስግኣት ፈጢሩ

ገስጋስ ዕጡቓት ተቓወምቲ ሑቲ ናይ የመን ኣብ ሃገራት ቀይሕ ባሕሪ ስግኣት ፈጢሩ

Radio Erena: 05 December 2014

Houthi Rebels

ብዛይዲ ዝፍለጡ ዕጡቓት ተቓወምቲ ሑቲ ኣብ የመን ሓያሎ ቦታታት ኣብ ዝቖጻጸርሉ ዘለዉ እዋን፣ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ነታ ሃገር እትገብሮ ዝነበረ ገዚፍ ፊናንስያዊ ሓገዝ ደው ኣቢላቶ።

እቶም ምስ ኢራን ጥቡቕ ዝምድና ከምዘለዎም ዝንገረሎም ተቓወምቲ ሺዓ፣ ንገለ ክፋል ርእሰ ከተማ ሰንዓ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እትርከብ ወደብ ሑደይዳን ካልኦት ኣገደስቲ ቦታታትን ተቖጻጺሮም፣ ናብ ካልእ ክፋል እታ ሃገር ኣብ ዝግስግስሉ ዘለዉ እዋን፣ ከም ሃገራዊ ስግኣት ክትጥምቶም ዝጸንሐት ስዑዲ ዓረብ ፊናንስያዊ ሓገዝ ደው ናይ ምብላ ቀዳማይ ስጉምቲ ወሲዳ ኣላ።

 

እቶም ኣመንቲ እስልምና ሺዓ ዝኾኑ ተቓወምቲ ሑቲ፣ ንገለ ክፋል ከተማ ሰንዓ ድሕሪ ምቁጽጻሮም ምስ መንግስቲ እታ ሃገር ስልጣን ክመቓርሑ ምኽኣሎም ዝፍለጥ’ዩ።

ስዑዲ ዓረብ’ውን ንየመን እትህባ ገዚፍ ፊናንስያዊ ሓገዝ፣ ንወትሃደራዊ ረብሓ’ቶም ተቓወምቲ ክውዕል ይክእል’ዩ ካብ ዝብል ስግኣት’ያ ነቲ ሓገዝ ደው ከተብሎ ወሲና ዘላ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ሚዛን ወትሃደራዊ ሓይሊ ተቖጻጺሮም ዝርከቡ ዕጡቓት ሑቲ፣ ኣብ የመን ንዝርከቡ ተቓወምቲ ኣመንሲ ምስልምና ሱናን ካልኦት ዕጡቓት እናጸራረጉ ናብ ሓያሎ ክፋል እታ ሃገር ይግስግሱ ምህላዎም’ዩ ዝሕበር።

ኣቐዲሙ’ውን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ንግስነት ስዑዲ ዓረብን ግብጽን ኣብ ዝልኣኾ ደብዳቤ፣ ገስጋስ ዕጡቓት ሑቲ ንዞባ ቀይሕ ባሕሪ ሓደገኛ ሳዕቤን ክህልዎ ስለዝኻል፣ ጉዳይ የመን ህጹጽ ቆላሕታ ክግበረሉ ከምዝተላበወ ኣብ ግብጺ እትሕተም ጋዜጣ ዘ ሞኒተር ገሊጻ’ያ።

ተቓወምቲ ሑቲ ነታ ናብ ኤርትራ ዝቐረበት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እትረክብ ወደባዊት ከተማ ሖዴዳ ናይ የመን ምቁጽጻሮም፣ ኣብቲ ኣፍደገ ንግዳዊ መራኽብ ዓለም ዝኾነ ዞባ ቀሊል ዘይኮነ ጽልዋ ክህልዎም ከምዝኽእል ተንተንቲ ይጠቕሱ።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0