ናይ ኤርትራ ፓስፖርት ዝውንኑ ኤርትራውያን፤ ብናይ ወጻኢ ሃገራት ቪዛ ካብታ ሃገር ኣብ ዝወጹሉ እዋን፤ መንግስቲ ጽኑዕ ምቁጽጻር ይገብር

Radio Erena: 24 April 2022

ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ናይ ወጻኢ ሃገራት ቪዛ ዝሓዙ ኤርትራውያን ካብታ ሃገር ክወጹ ኣብ ዝሽገሩሉ ዘለዉ እዋን፤ መንግስቲ’ታ ሃገር ጸጥታ ናይ ምቁጽጻር ሓላፍነት ከምዘለዎ ኣፍሊጡ።

ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ንወሃብ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረብኦ ሓበሬታ፤ ናይ ኤርትራ ፓስፖርት ዝውንኑ ኤርትራውያን፤ ናይ ወጻኢ ሃገራት ቪዛ ሒዞም ካብታ ሃገር ኣብ ዝወጹሉ እዋን፤ መንግስቲ ጽኑዕ ምቁጽጻር ምግባሩ፤ ምስ ሃገራዊ ጸጥታ ዝተኣሳሰር ምኻኑ ገሊጸን።

ክፍሊ ኢሚግረሽን ኢትዮጵያን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ዝርከቡ ኣባላት ጸጥታን፤ ብናይ ወጻኢ ቪዛ ክንቀሳቐሱ ንዝፍትኑ ኤርትራውያን፤ ብምድንጓይን ብምቕያድን፤ ካብ መገሻኦም የተኣጋጉልዎም ምህላዎም ብተደጋጋሚ ክቐርብ ዝጸንሐ ጥርዓን እዩ።

ካብ ኢትዮጵያ ከይወጹ ዝተኣገዱ ኤርትራውያን ምህላዎም እውን ብተደጋጋሚ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።

ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ናይ ወጻኢ ሃገራት ቪዛ ዝሓዙ ኤርትራውያን፤ ካብ መገሻኦም ምትእጉጓሎም ከቕርብዎ ዝጸንሑ ጥርዓናት ከምዝፈልጦ እኳ እንተተኣመነ፤ ‘ሕጋዊ ደኩመንታትን ጸጥታዊ ኩነታትን ክረጋገጽ፣ ክሕለፍ ዘለዎ መስርሕ ኣሎ’ ክብል ገሊጹ።

ኣብዚ ቀረባ እዋናት፤ ብዝሒ ዘለዎም ናይ ኤርትራ ቪዛ ዝውንኑ ኤርትራውያን ካብ ኢትዮጵያ ክወጹ ይፍትኑ ምህላዎም እቲ ኣምባሳደር ብተወሳኺ ገሊጹ።

 

==================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0