ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን፤ ኣብ ዩክረይን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣብ ጎድኒ ራሻ ንምስላፍ ክምዝገቡ ይሓቱ

Radio Erena: 24 April 2022

ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን፤ ኣብ ዩክረይን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣብ ጎድኒ ራሻ ንምስላፍ ክምዝገቡ ይሓቱ ከምዘለዉ፤ ሮይተርስ ካብታ ሃገር ኣብ ዝፈነዎ ዜና ገሊጹ።

‘ራሻ ዝስለፉላ ወጻእተኛታት ወተሃደራት ትደልይ ኣላ’ ዝብል ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ከም ዳእላ ዝጀመረ ወረ፤ ሓያሎ ጥሮታ ዝወጹ ወተሃደራት ነበር ዝርከብዎም ኣማኢት ኢትዮጵያውያን፤ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ራሻ ሪጋ ክስርዑ ምጅማሮም ሮይተርስ ሓቢሩ።

ሓለዋ ናይቲ ኤምባሲ ወለንተኛታት ክምዝግቡ ዝረኣዩ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ከምዘዘራረበ ዝጠቅስ ሮይተርስ፤ ነቶም ዝምዝገቡ ዝነበሩ ውልቀሰባት ናይ ውትህድርና ተመኩሮኦም ዘረጋግጽ ምስክርነት ከምጹኡ ይሓቱ ምንባሮም ገሊጹ።

ኤምባሲ ራሻ ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፤ ወጻእተኛታት ወተሃደራት ክዕስከሩ ከምዘይመዝገበ ብምግላጽ፤ ‘ራሻ ንግዚኡ ወጻእተኛታት ወተሃደራት ክትዓስብ መደብ የብላን’ ኢሉ።

ኤምባሲ ዩክረይን ኣብ ኣዲስ ኣበባ፤ ነዚ ጉዳይ ብዝምልከት ካብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ’ታ ሃገር መብርሂ ሓቲቱ’ሎ።

ገለ ካብቶም ብገንዘብ ክዕሰቡ ሪጋ ተሰሪዖም ዝነበሩ ወተሃደራት ነበር ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቡዎ ቃል፤’ናይ እዋን ሽግርና ረዳኢትና ራሻ እንተደገፍና ሓላል እዩ፤ ዝያዱኡ ከኣ ብዝወሃበና 2 ሽሕ ዶላር ወርሓዊ ደሞዝ ናብራና ከነመሓይሽ ኢና’ ክብሉ ድሌቶም ገሊጾም።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት፤ ቭላድሚር ፑቲን 16 ሽሕ ዝኾኑ ወተሃደራት ካብ ማእከላይ ምብራቕ ተዓሲቦም ኣብ ኲናት ዩክረይን ክሳተፉ ፈቒዱ ዝብል ወረ ኣብ ማዕከናት ዜና ዓለም ተቓሊሑ እዩ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0