ናይ ኤርትራ ፓስፖርት ካብ ናይ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ እቲ ዝደኸመ ምዃኑ ተገሊጹ

Radio Erena: 25 October 2016

Passport of Eritrea

ናይ ኤርትራ ፓስፖርት፣ በደረጃ ዓለም ሓደ ካብ ድኹማት ዝደኸመ ምዃኑ፣ ኣርቶል ዝተባህለ ትካል ኣብ ዘካየዶ መጽናዕቲ ገሊጹ።

እቲ ኣብ ጉዳይ ቱሪዝምን ወፍርን መጽናዕቲ ዘካይድን ምኽሪ ዝህብን ኣህጉራዊ ትካል፣ ፓስፖርታት ሃገራት ዓለም ብዘይ መእተዊ ቪዛ ከግይሽ ዘለዎ ዓቕሚ ድሕሪ ምጽናዕ’ዩ ኣብ መስከረም 2016 ሓድሽ ጸብጻቡ ዘርጊሑ።

ብመሰረት እቲ ትካል ዘካየዶ መጽናዕቲ፣ ጀርመን፣ ሽወደን፣ ፊንላንድን ፈረንሳን እተን ዝሓየለ ፓስፖርት ዝውንና ሃገራት’የን።

ዜጋታት እዘን ሃገራት መእተዊ ቪዛ ከይሓተቱ ናብ 157 ሃገራት ክገሹ ይኽእሉ።

ናይ ኣፍጋኒስታን ፓስፖርት ብደረጃ ዓለም እቲ ዝደኸመ ተባሂሉ ኣብ መወዳእታ ክስራዕ እንከሎ፣ ብደረጃ ኣፍሪቃ ከኣ እቲ ዝደኸመ ፓስፖርት ናይ ኤርትራ ተባሂሉ ተሰሪዑ ይርከብ።

መጽሔት ጉድ ኣቐዲሙ ብዘቕረቦ መጽናዕታዊ ጽሑፍ መሰረት፣ ካብ 52 ሃገራት ኣፍሪቃ እታ ዝሓየለ ፓስፖርት ዘለዋ ሲሸልስ ክትከውን እንከላ፣ እታ ዝደኸመ ፓስፖርት እትውንን ከኣ ኤርትራ’ያ።

ፓስፖርት ሲሸልስ ብዘይ መእተዊ ቪዛ ናብ 126 ሃገራት ከንቀሳቕስ እንከሎ ናይ ኤርትራ ፓስፖርት ግና ናብ 36 ሃገራት ጥራይ’ዩ ከግይሽ ዝኽእል።

ብዘይካ’ዚ ኤርትራ፣ ናብ ዝኾነ ሃገር ንምጋሽ ንዜጋታታ መውጽኢ ቪዛ ክሓቱ ካብ ዘገድዳ ሒደት ሃገራት ዓለም’ያ።

============================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0