ናይ ኤርትራ ፓስፖርት ሓደ ካብ’ቶም ናብ ዝወሓደ ሃገራት ዓለም ዘንቀሳቕስ ተባሂሉ ኣብ ታሕተዋይ ደረጃ ተሰሪዑ

ናይ ኤርትራ ፓስፖርት ሓደ ካብ’ቶም ናብ ዝወሓደ ሃገራት ዓለም ዘንቀሳቕስ ተባሂሉ ኣብ ታሕተዋይ ደረጃ ተሰሪዑ

Radio Erena: 13 January 2019

ፓስፖርት ናይ ኤርትራ ሓደ ካብ’ቶም ናብ ዝወሓደ ሃገራት ዓለም ዘንቀሳቕስ ተባሂሉ ኣብ ታሕተዋይ ደረጃ ተሰሪዑ።

ሀንሊ ፓስፖርት ኢንደክስ ኣብ ናይ 2019 ዘውጸኦ ሓድሽ ሕታሙ፣ ብደረጃ ዓለም ክረአ እንከሎ፣ ናይ ኤርትራ ፓስፖርት ናብ 38 ሃገራት ጥራይ ብዘይ መእተዊ ቪዛ ከንቀሳቕስ ይኽእል። ብድሕሪ ናይ ኤርትራ ተሰሪዑ ዘሎ ፓስፖርታት ናይ ሶማል፣ ኣፍጋኒስታን፣ ዒራቕ፣ ፓኪስታንን የመንን እዩ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ምንቅስቓስ ህዝቢ ዓለም ኣዝዩ ዓብዩ ከምዘሎ ዘመልከተ እዚ ናይ 2019 ጸብጻብ፣ ናይ ጃፓን ፓስፖርት ናብ 190 ሃገራት ብዘይቪዛ ከንቀሳቕስ ብምኽኣሉ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ሰሪዑዎ ይርከብ።

ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ እውን ናብ 151 ሃገራት ዓለም ከንቀሳቕስ ዝኽእል ናይ ሲሸልስ ፓስፖርት ምስ ቀዳሞት ክስራዕ እንከሎ፣ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ሞሪሸስ፣ ቦትስትዋና፣ ናሚብያን ኬንያን ዝኣመሰላ ሃገራት ኣፍሪቃ’ውን ሓያል ናይ ምንቅስቓስ ዓቕሚ ከምዘለዎ ይግለጽ።

ኤርትራ፣ ናብ ካልኣይቲ ሃገር ናይ መእተዊ ቪዛ ጥራይ ዘይኮነ፣ ካብታ ሃገር ንባዕላ ንምውጻእ እውን ካብ መንግስቲ ናይ መውጽኢ ቪዛ ካብ ዝሕተተለን ውሑዳት ሃገራት ዓለም ሓንቲ’ያ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0