ናይ ቀደም ባጤራ ናቕፋ ምስዚ ሓድሽ እናተሓወሰ ኣብ ዕዳጋ ይዝርጋሕ ምህላዉ ተገሊጹ

Radio Erena: 08 September 2016

Nakfa

ናይ ቀደም ባጤራ ናቕፋ፣ ምስዚ ሓድሽ ተሓዊሱ ኣብ ዕዳጋ ይዝርጋሕ ምህላዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እቲ ናይ ቀደም ባጤራ ብሕብሪ፣ ዓቕን ይኹን ግራፊካዊ ትሕዝቶ ካብዚ ሓድሽ ዝፍለ ብዘይምዃኑ፣ ሓያሎ ሰባት ምስዚ ሓድሽ እናሓወሱ ናብ ዕድጋ ከውርድዎ ይርኣዩ ምህላዎም’ዮም ዘረድኡ እቶም ምንጭታት።

እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ብፍላይ ኣብ ከባቢ ተሰነይ፣ ኣየር ብኣየር ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዘይሕጋዊ ንግድታት፣ እዚ ምትሕውዋስ ናይ ባጤራ ናቕፋ ብብዝሒ ይርአ ከምዘሎ ኣመልኪቶም።

 

ናቕፋ ካብ ቁጽጽሩ ወጻኢ ዝኸደን ባንክታት ጥርሑ ብምትራፉ ዘሻቐሎን መንግስቲ ኤርትራ፣ ባጤራ ክቕይር ምዃኑ እኳ እንተኣወጀ፣ እቲ ሓድሽ ባጤራ ብዘይካ ናይ ዕለትን ዓመት ምሕረትን ካልእ ዝኾነ ፍልልይ የብሉን።

ህዝቢ ብካሽ ዘንቀሳቕሶ ገንዘብ ካብ 3 ክሳብ 5 ሽሕ ጥራይ ተደሪቱ’ኳ እንተሎ፣ ቀሳ ብቐስ ግና እናተጣሕሰን ካልእ ጸገማት ከኣ እናወለደን ይመጽእ ምህላዉ ይግለጽ።

መንግስቲ ኤርር፣ ባጤራ ናቕፋ ክቕየር’ዩ ብምብላ ንዝበዝሀ ገንዘብ ህዝቢ ኣብ ባንክታት ድሕሪ ምዕሻጉ፣ ካብ 100 ሽሕ ንላዕሊ ዝግመት ገንዘብ ዘረከቡ ዜጋታት ካብ 2 ሚእታዊ ክሳብ 4 ሚእታዊት ናይ ኣገልግሎት ግብሪ ክኸፍልሉ የገድድ ምህላዉ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ምጥቃስና ኣይርሳዕን።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ቁጠባውን ንግዳውን ፖሊሲታቱ ከየስተኻኸለ ናቕፋ ብምቕያር ጥራይ ገንዘባዊ ፖሊሲታቱ ከስተኻክእል ከምዘይክእል ሓይሎ ክኢላታት ብተደጋጋሚ ገሊጾሞ’ዮም።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0