ኣብ በርሊንግተን፣ ቅድድም ብሽክለታ ንምስታፍ ዝመጸት ኤርትራዊት ተቐዳዳሚት ድሕሪ ምስዋራ፣ ፖሊስ ‘ዝርኣያ ዓይኑ ይብራህ’ ዝብል ፖስተራት ዘርጊሑ

Radio Erena: 08 September 2016

missing cy

ካብ 2 ክሳብ 5 መስከረም ኣብ ኣብ ኣመሪካ፣ በርሊንግተን ኣብ ዝተኻየደ ቅድድም ብሽክለታ ግሪን ማውንተይን ንምስታፍ ካብ ኤርትራ ዝመጸት ተቐዳዳሚ ከምዝጠፍአት ፖሊስ እታ ከተማ ሓቢሩ።

ፖሊስ በርሊንግተን፣ ስእሊ ናይታ ጠፊኣ ዝበላ ኤርትራዊት ተቐዳዳሚት ዝሓዘ “ዝረኣያ ዓይኑ ይብህራ” ዝብል ፖስተራት ጠቒዑ ከምዘሎ መርበባት ሓበሬታ ካብቲ ከባቢ ገሊጸን።

እታ ስማን ዘይተጠቕሰት መንእሰይ፣ ቋንቋ እንግሊዝ ብመጠኑ ከምዝእትዛረብ ዝሓበረ ፖሊስ፣ ኣብቲ ንራብዕቲ ዝቐጸለ ቅድድም ብሽክለታ ምስታፋ’ውን ተጠራጢሩ ኣሎ።

ፖሊስ በርሊንግተን፣ ጉዳይ እዛ ደሃያ ጠፊኡ ዘሎ ኤርትራዊት ብዝምልከት ናብ ፈደራላዊ ፖሊስ ከሰጋግሮ ምዃኑ’ውን ኣፍሊጡ።

ይኹን’ምበር እታ ኤርትራዊት መንእሰያ፣ ከምቲ ፖሊስ በርሊንግተን ሰጊአኦም ዘሎ ጠፊኣ ዘይኮነት፣ ዑቕባ ንምሕታት ንምትራፍ ድሕሪ ምውሳና ካብቲ ቦታ ከምዝተሰወረት ግምታት ኣሎ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0