ናይጀርያ፣ ብደረጃ ኣህጉር ኣፍሪቃ ንዝምስረት ናጻ ናይ ንግዲ ዞባ ክትጽንበር’ያ፣ ኤርትራን በኒንን ገና ኣይወሰናን

Radio Erena: 05 July 2019

ናይጀርያ፣ ካብ ሰንበት 7 ሓምለ ኣትሒዙ ብደረጃ ኣህጉር ኣፍሪቃ ንዝምስረት ናጻ ናይ ንግዲ ዞባ ከምእትጽንበር ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ቁጠባ ከምዘለዋ እትግለጽ ናይጀርያ፣ ተወሳኺ መጽናዕቲ ክሳብ እተካይድ ናብቲ ናጻ ናይ ንግዲ ዞባ (AfCFTA) ከምዘይትንጽንበር’ያ ክትገልጽ ጸኒሓ።

ኤርትራን በኒንን’ውን ኣብዚ ብደረጃ ኣፍሪቃ ዝምስረት ናጻ ናይ ንግዲ ዞባ ኣይተጸንበራን።

ይኹን’ምበር ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ናይጀርያ ብዘውጽኦ መግለጺ መሰረት፣ ኣብዚ ሰሙን እዚ፣ ኣብ ኒጀር ኣብ ዝካየድ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ናብቲ ናጻ ናይ ንግዲ ዞባ ንምጽንባር፣ ብወግዒ ክታማ ከተንብር’ያ።

ብደረጃ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዝቐውም ናጻ ናይ ንግዲ ዞባ ንምምስራት ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ዝዘተየ ዋዕላ ብ30 ግንቦት ምክያዱ ኣይርሳዕን።

ምምስራት እዚ ን53 ሃገራት ዝሓቖፈ ናጻ ናይ ንግዲ ዞባ፣ ኣብ መንጎ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝካየድ ንግዳዊ ንጥፈታት ካብ ቀረጽ ናጻ ወይከኣ ስማዊ ቀረጽ ብምትማን፣ ዕዳጋን ቁጠባን እዛ ኣህጉር ንምዕባይ ዝዓለመ’ዩ።

ኤርትራን በኒንን ኣብዚ ንዕብየት ቁጠባ ኣፍሪቃ ዝዓለመ’ዩ ዝብሃል ዘሎ ምምስራት ናጻ ናይ ንግዲ ዞባ ዘይተጸንበራሉ ምኽንያት ወግዓዊ መግለጺ ኣይሃባሉን።

ጉጅለ ልኡኽ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ ካብ 13 ክሳብ 22 ግንቦት ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ድሕሪ ምክያዱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኤርትራ ኣብ ሕማቕ ቁጠባዊ ኩነታት ከምእትርከብን ህጹጽ ቁጠባዊ ስጉምታት ከምዘድልን ምግላጹ ኣይርሳዕን።

COMMENTS

WORDPRESS: 0