ናትናኤል ብርሃነ ትማሊ ኣብ ፈረንሳ ደሚቑ ውዒሉ

ናትናኤል ብርሃነ ትማሊ ኣብ ፈረንሳ ደሚቑ ውዒሉ

Radio Erena: 11 June, 2014

europe car

ተቐዳዳማይ ክለብ ዩሮፕካር ናትናኤል ብርሃነ፡ ትማሊ 10 ሰነ 2014 ኣብ ዝቐጸለ 194 ኪሎ ሜተር ዝሸፈነ ውድድር ሳልሳይ መድረኽ ክራይተርዩም ዱ ዶፊነ፡ ውድድር ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ሳልሳይ ርእሱ ብምህዳም ንኣስታት 170 ኪሎ ሜትር ነቲ ውድድር ተቖጻጺርዎ ውዒሉ።

ሻምፕዮን ክሮኖ ሜተር ኤርትራ 2014 ናትናኤል፡ ሴዛር በነደቲ ካብ ነት-ኣፕን ብለል ካድሪ ካብ ኤጂ2ኣርን ምስ ዝተባህሉ ተቐዳደምቲ ሃዲሙ ዝወዓለ ክኸወን እንከሎ፡ ጸወታ ክዛዘም 23 ኪሎ ሜትር ምስ ተረፎ ንዓወት ሻምፕዮን ቱር ዲ ፍራንስ 2013 ዝኾነ ክሪስ ፍሩም እትቓለስ ክለብ ስካይ ድሕሪ ክንደይ ጻዕሪ ኣርኪባቶም።

 

ናትናኤል ኣብቲ ትማሊ ተዳልዩ ንዝነበረ ክልተ ናይ ዓቐብ ውድድር ብምስዓር 20 ነጥቢ ክወስድ ኣብ ርእሲ ምኽኣሉ፡ ኣብ ሓንቲ ናይ ነጥቢ ቅጽበታዊ ውድድር ከኣ ካልኣይ ወጽዩ።

ዳይረክተር ስፖርት ክለብ ዩሮፕካር ኣንዲ ፍሊኪንገር፡ ናትናኤል ብሰንኪ ዝወሰዶ ዝሑል ማይ ናይ ቅድሚ ትማሊ ውድድር ኣብ ኣጋ ምዝዛሙ 4 ግዜ ንላዕሊ ከምዘበሎን ነቲ ውድድር ድማ ተጸሊእዎ ከሎ ከምዝዛዘሞን ጋሊጹ።

ናትናኤል እዚ ትማሊ ዘርኣዮ ዝንኣድ ብቕዓት፡ ኣብ ውድድር ቱር ዲ ፍራንስ 2014 ንኽሳተፍ ርሒብ ዕድል ክፈጥረሉ ከምዝኽእል ይግመት።

እቲ ኣብ ፈረንሳ ካብ ዝካየዱ ቅድድማት ድሕሪ ቱር ዲፍራንስ ኣብ ዕብየቱ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዝስራዕ ክራይተርዩም ደ ዶፊነ ሎሚ’ውን ክቕጽል’ዩ።

እቲ ሓያል ምትህልላኽ ዘለዎ መሳጢ ቅድድም ብሽክለታ ክራይተርዩም ደ ዶፊነ ብሃገራዊ ቴሌቪዥን ፈረንሳ ብቀጥታ ይፍኖ ኣሎ።
=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0