ናብ የመን ዝሰግሩ ዝነበሩ 70 ኢትዮጵያን ስደተኛታት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ጥሒሎም

ናብ የመን ዝሰግሩ ዝነበሩ 70 ኢትዮጵያን ስደተኛታት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ጥሒሎም

Radio Erena: 09 December 2014

ethio yemen

ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ጽዒና ናብ የመን እትሰግር ዝነበረት ጃልባ ብምጥሓላ 70 ኢትዮጵያዉን ከምዝሞቱ ሮይተርስ ሓቢሩ።

እታ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ጽዒና ካብ ገማግም ባሕሪ ሶማል ወይ ጅቡቲ እትግለጽ ዘላ ጃልባ፣ ኣብ ማእከል ቀይሕ ባሕሪ ብዘጋጠመ ህቦብላን ማዕበልን ተናዊጻ ብቀዳም ለይቲ ከምዝጠሓለተ ዝሓበሩ ሰበ ስልጣን ዞባ ጣይዝ ናይ የመን፣ ብህወይት ዝደሓነ ሰብ ከምዘየለ ኣረዲኦም።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ’ውን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብዘጋጠመ ተመሳሳሊ ሓደጋ 64 ስደተኛታት ከምዝጠሓሉ ኣይርሳዕን።

 

ኣማኢት ዜጋታት ኢትዮጵያን ሶማልን ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ብቀይሕ ባሕሪ ናብ የመን ብምስጋር ናብ ስዑዲ ዓረብ ንምእታው ከምዝሕልኑ ጸብጻባታ እታ ሃገር የመልክት።

ኣብ የመን መብዛሕቶም ዜጋታት ሶማልን ኢትዮጵያን ዝርከብዎም ልዕሊ 100 ሽሕ ስደተኛታት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ከምዘለዉ’ውን ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይጠቅስ።

=================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0