ኤርትራን ጅቡትን ኣብ መጀመርያ ወርሒ ናይ 2015 ምሩዃት ክለዋወጣ ተኽእሎ ከምዘሎ ተገሊጹ

ኤርትራን ጅቡትን ኣብ መጀመርያ ወርሒ ናይ 2015 ምሩዃት ክለዋወጣ ተኽእሎ ከምዘሎ ተገሊጹ

Radio Erena: 09 December 2014

Isutomam

ኤርትራን ጅቡትን ኣብ መጀመርያ ወርሒ ናይ ዝመጽእ ሓድሽ ዓመት ምሩኻት ኵናት ክለዋወጣ ተኽእሎ ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

እቶም ምንጭታት ነዚ ዝሓበሩ፣ መንግስቲ ኤርትራ ብዘይዝኾነ ደሃይ ሒዝዎም ከምዘሎ ዝግለጹ 17 ምሩዃት ኵናት ጅቡቲ ንቀይሕ መስቀል ወይ ካልእ ኣካል ከረክብ ብንግስነት ቀጠር ጸቕጢ ይግበረሉ ስለዘሎ ምዃኑ ኣገንዚቦም።

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቀጠር ዝተመርሐ ልኡኽ ቀጠር ኣብ ኣስመራ ኣብ ዘካየዶ ምስጢራዊ ዑደት፣ ኣብ ጉዳይ ምርኽካብ ምሩኻት ኩናትን መስርሕ ሰላም ኤርትራን ጅቡትን ብዕምቖት ከምዝዘተ ዝሓብሩ እቶም ምንጭታት፣

ትማሊ ድማ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስ ኣሚር ቀጠር ታሚም ቢን ሓማድ ኣልታኒ ኣብ ዶሓ ተመሳሳሊ ዝርርብ ከምዘካየደ ኣፍሊጦም።

ኣባል ማሕበር ሃገራት ዓረብ ዝኾነት ጅቡቲ፣ ብሰንኪ’ቲ ኣብ ራስዱሜራ ጎቦታት ሙሳ ዓሊ ዝተወልዐ ዶባዊ ግጭት 19 ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ከምዝማረኸትን 17 ወትሃደራታ ከኣ ብኤርትራ ከምዝተማረኹ ክትሕብር እንከላ ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ዝኾነ መግለጺ ኣይተዋህቦን።

መስርሕ ሰላም ኤርትራን ጅቡትን ብመንጎኝነት ቀጠር ካብ ዝጅምር ንደሓር ከኣ፣ ሕቶ ምልውዋጥ ምሩዃት ከም ቀንዲ ዛዕባ ክቐርብ ጸኒሑ’ዩ።

ኤርትራን ጅቡትን ዳግማይ ናብ ግጭት ከይኣትዋ ቀጠር ውሑድ ቁጽሪ ዘለዎ ተዓዛቢ ሰራዊት ኣብ ዶብ ክልትኤን ሃገራት ኣዋፊራ እኳ እንተላ፣ እቲ መስርሕ ሰላም ከምቲ ዝድለ ክቀላጠፍ ኣይከኣለን።

ንመንግስታት ኤርትራን ጅቡትን ገዚፍ ፊናንስያዊ ሓገዝ ኣብ ምብርካት እትርከብ ቀጠር፣ እቲ መስርሕ ሰላም ክዕወት ዘለዋ ድሌት ደጋጊማ ትገልጽ እኳ እንተኾነት፣ መንግስቲ ኤርትራ ደሃይ ምሩዃት ኵናት ጅቡቲ ከይሕብር ብምሕንጋዱ ግና እቲ መስርሕ ከምዝተሰናኸለ’ያ ጅቡቲ ትወቕስ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ’ውን ናብ ሉኣላዊኦ መሬት ኤርትራ ኣትዩ ዝተባህለ ሓደ መኮነን ሰራዊት ጅቡቲ ብኤርትራ ድሕሪ ምትሓዙ፣ ብመንጎኝነት ቀጠር ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ከምዝተለቀ ኣይርሳዕን።

ብመሰረት እዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ጽዑቕ ዝርርባት ቀጠርን ኤርትራን ጅቡትን ከኣ፣ ብኽልቲኤን ሃገራት ተታሒዞም ዝርከቡ ምሩዃት ኵናት ክልቀቑ ዝልዓለ ተስፋ ምህላዉ ነዚ ሓበሬታ እዚ ዝልኣኹ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣንፊቶም።

===========================================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0