ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ንምስጋር ኣብ ሊብያ ይጽበዩ ምህላዎም ተገሊጹ

ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ንምስጋር ኣብ ሊብያ ይጽበዩ ምህላዎም ተገሊጹ

Radio Erena: 12 August 2015

immlib

ካብ ሊብያ ናብ ኤውሮጳ ንምስጋር ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ስደተኛታት ይጽበዩ ምህላዎም፣ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ናይቲ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ስርሒት ምድሓን ህይወት ናይ ዝተዋፈረ ኣሃዱ ሓይሊ ባሕሪ ብሪጣንያ ምግላጾም ዘ ጋርድያን ኣመልኪቱ።

ሓደ ካብቶም ኣዘዝቲ ካፕቴን ኒክ ኩክ ፕሪስት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ተረኺቡ ብዘሎ ስለያዊ ሓበሬታ፣ ካብ 450 ሽሕ ክሳብ ፍርቂ ሚልዮን ዝበጽሑ ስደተኛታት፣ ናብ ኤውሮጳ ንምስጋር ኣብ ሊብያ ተኣኻኺቦም ኣለዉ።

ብሪጣንያ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ስርሒት ህወይት ምድሓን ዝተዋፈራ 11 መራኽብ ኣዋፊራ ከምዘሎ ዝግለጽ ኮይኑ፣ ሓይሊ ባሕሪ እታ ሃገር ኣብ ዝተፈላለየ ስርሒታት ኣስታት 4 ሽሕ ስደተኛታት ካብ ምጥሓል ከምዘድሓነ’ውን ጸብጻብ ዘ ጋርድያን የመልክት።

 

ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ናይ ዝተፋለላያ ሃገራት ኤውሮጳ መራኽብ፣ ህይወት ኣብ ምድሓን ተዋፊረን ከምዘለዋ ይፍለጥ።

ብሓገዝ ሓይሊ ባሕሪ እዘን ሃገራት ብፍላይ ድማ ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ኣብዚ ዓመት’ዚ ጥራት ኣስታት 120 ሽሕ ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ክኣትዉ ክኢሎም’ዮም።

ይኹን’ምበር ናብ ኤውሮጳ ድሕሪ ምእታዎም፣ ሃገራዊት ኤውሮጳ ንምጥያሶም ክሰማምዓ ብዘይምኽኣለን፣ ዝበዝሑ ካብቶም ስደተኛታት ኣብ ሓያሎ ከተማታት ኤውሮጳ ክከላበቱ ይርኣዩ።

ካብዞም ናብ ኤውሮጳ ዝኣትዉ ዘለዉ ስደተኛታት፣ ቁጽሪ ሶርያውያን ቀዳማይ ደረጃ ክሕዝ እንከሎ፣ ቁጽሪ ኤርትራውያን ኣብ ካልኣይ ይስራዕ።

ብዝሒ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ኣብ ቀዳሞት ሓሙሽተ ዝስራዕ እኳ እንተኾነ፣ መብዛሕቶም እቶም ኢትዮጵያውያን ዜጋታት ኤርትራ ኢና እናበሉ ዑቕባ ይሓቱ ምስ ምህላዎም ግና፣ ንብዝሒ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ኤውሮጳ ኣጋኒንዎ ይርከብ።

====================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0