ክልተ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ብቕትለት ሽወደናዊት ኣደን ወዳን ተጠርጢሮም

ክልተ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ብቕትለት ሽወደናዊት ኣደን ወዳን ተጠርጢሮም

Radio Erena: 12 August 2015

Swedish Police

ብቕትለት ሽወደናዊት ኣደን ወዳን ዝተጠርጠሩ ክልተ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም።

እቶም 23 ከምኡ ድማ 35 ዓመት ዝዕድሚኦም ኤርትራውያን ነታ 55 ዓመት ዝዕድሚኣ ሽወደናዊትን 28 ዓመት ዝዕድሚኡ ወዳን፣ ናይ ገዛ ኣቑሑ ኣብ ዝሽየጠሉ ትካል ኢ.ኪ.ኣ ብኻራ ወጊኦም ከምዝቐተልዎም’ዮም ተጠርጢሮም።

እቲ ቫስተሮስ ኣብ ዝተባህለ ከተማ ብሰኑይ 10 ነሓሰ ዘጋጠም ቅትለት፣ ተወሳኺ መርመራን ምጽራይን ይካየደሉ እኳ እንተሎ፣ እቶም ቀዳሞት ጥርጡራት ግና ክልተ ኤርትራውያን ኮይኖም ምህላዎም ማዕከናት ዜና ሽወደን ብሰፊሑ ይዛረባሉ።

 

እቶም ብቕትለት ዝተጠርጠሩን ክልተ ኤርትራውያንን ዝተቐትሉ ኽልተ ሽወደናውያን፣ ብመንግስቲ ኣብ ዝውነን ህንጻ ዝነብሩ ጎረባብቲ ምዃኖም’ውን ጸብጻባት ካብታ ሃገር የመልክቱ።

እቶም ኤርትራውያን በቲ ቅትለት ዝተጠርጠርሉ ምኽንያት ንጹር ሓበሬታ እኳ እንተዘየለ፣ እቲ 35 ዓመት ዝዕድሚኡ ጥርጡር ግና ኣብ ኢዱ ብኻራ ዝተወግአ ምዃኑ ጸብጻብ ፖሊስ ሽወደን የረድእ።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0