ናብ ኣውስትራልያ እተምርሕ ዝነበረት ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ብምጥሓላ፣ ሓሙሽተ ኤርትራውያን ሞይቶም

ካብ ኢንዶነዥያ ደቡባዊ ጃቫ ብንእስጦ ጃልባ ተበግሲሶም ናብ ኣውስትራልያ ንምእታዊ ካብ ዝፈተኑ ሸሞንተ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 81 ስደተኛታት ዝተፈላለየ ሃገራት፣ እታ ጃልባ ድሕሪ ዘጋጠማ ናይ ምትሓል ሓደጋ ዛጊት ሓሙሽተ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 24 ሰባት ከምዝሞተ ተረጋጊጹ።

 

ካብቶም ኣብታ ጃልባ ዝነበሩ 81 ስደተኛታት እቶም 22 ብህይወቶ ክድሕኑ እንከለዉ፣ እቶም ዝተረፉ ግና ዛጊት ሃለዋቶም ኣይተፈልጠን።

እታ ዜጋታት ኤርትራ፣ ዮርዳኖስ፣ ኢራቕንን ዒራቕን ጽዒና ካብ ገማግም ማያታ ኢንዶነዥያ ዝተበገሰት ንእሽቶ ጃልባ፣ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ኣብ ዘጋጠማ፣ እቶም ስደተኛታት ካብ ሓይሊ ባሕሪ ኣውስትራልያ ሓገዝ እኳ እንተሓተቱ፣ ኣውስትራል ቅልጡፍ ግብረ መልሲ ብዘይምሃባ’ዩ ህይወት ሓሙሽተ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 24 ሰባት ኣብ ህንዳዊ ውቕያኖስ ጠፊኡ ዘሎ።

ሲድኒ ሞርኒንግ ሄራልድ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ኣቕሪብዎ ኣብ ዘሎ ጸብጻብ ቀንዲ ግዳያት እቲ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ቆልዑን ደቂንስትዮን ምዃኖም ብምጥቃስ፣ ህይወት ንምድሓን ኣብ ዝተሓተሉ እዋን ኣውስትራልያ ቅልጡፍ ግብረ መልሲ ብዘይምሃባ ወቒሱ።

እቶም ካብቲ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ዝደሓኑ ካብ ዝተፈላለየ ሃገራት ኣብ ኢንዶነዥያ ዝተኣኻኸቡ ስደተኛታት ነቲ ማዕከን ዜና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፣ ነፍሲ ወከፎም ኣቡ ሳልሕ ንዝተባህለ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ሰባት ዘሰጋግር ውልቀሰብ 10 ሽሕ ዶላር ብምኽፋል ብንእሽቶ ጃልባ ናብ ኣውስትራልያ ከምዝተበገሱ ገሊጾም።

=====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0