ናብ ኣውስትራልያ ንምስጋር ዝፈተኑ ክልተ ኤርትራውያን ኣብ ኢንዶነዥያ ተታሒዞም

ናብ ኣውስትራልያ ንምስጋር ዝፈተኑ ክልተ ኤርትራውያን ኣብ ኢንዶነዥያ ተታሒዞም

Radio Erena: April 3, 2014

Indo Immigrants

ኢንዶነዥያ ናብ ኣውስትራልያ ንምስጋር ዝፈተኑ ክልተ ኤርትራውያን ኣብ ቀይዲ የእትያ።

እቶም ኤርትራውያን፣ ኣብ ሰሜናዊ ሱማትራ ሜዳን ኣብ ዝተባሀል ከባቢ ድሕሪ ምትሓዞም፣ ቤላዋን ኣብ ዝተባህለ ቤት ምእሰርቲ ተቐይዶም ከምዘለዉ ጃካርታ ፖስት ኣፍሊጡ።

ብዘይካ’ዞም ክልተ ኤርትራውያን ልዕሊ 200 ዝኾኑ ሱዳናውያንን ሶማላውያንን ዝርከብዎም ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት’ውን ብተመሳሳሊ ኣገባብ ናብ ኣውስትራልያ ንምስጋር ኣብ ዝፈተንሉ ተታሒዞም ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ከምዘለዉ እቲ ናይ ጃካርታ ፖስት ጸብጻብ የመልክት።

 

10ታት ኤርትራውያን ብደላሎን ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርትን ካብ ዱባይን ካልኦት ሃገራትን እናተበገሱ ናብ ኢንዶነዥያ ብምስጋር፣ ህንዳዊ ውቅያኖስ ብምስንጣቕ ናብ ኣውስትራልያ ንምእታው ከምዝፍትኑ ብተደጋጋሚ እዋን ክጥቐስ ጸኒሑ’ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት’ውን ካብ ኢንዶነዥያ ናብ ኣውስትራልያ ንምስጋር ዝፈተኑ ብውሑዱ ሽዱሽተ ኤርትራውያን ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ጥሒሎም ከምዝሞቱ ይዝከር።

=============================================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0