“ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ኣውራ ተንቂ ስደት ኤርትራውያን’ዩ” ሸይላ ኪታሩት

“ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ኣውራ ተንቂ ስደት ኤርትራውያን’ዩ” ሸይላ ኪታሩት

Radio Erena: April 2, 2014

Sheila

ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣውራ ጠንቒ ስደት ኤርትራውያን ዝብል መደምደምታ ከምዝበጽሐት፣ ብኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ከተጽንዕ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘት ሸይላ ኪታሩት ደጊማ ገሊጻ።

ሸይላ ኪታሩር፣ ድሕሪ’ኢ ኣብ ጀርመንን ስዊዘርላንድን ዘካየደቶ ዑደታት ብ31 መጋቢት ኣብ ጄኔቫ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፣ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንምሉእ ህይወት መንእሰያት ኤርትራ ተቕጻጺርዎ ከምዘሎ ብምጥቃስ፣ ዳርጋ ኩሎም እቶም ብኣካል ዘዘራረብቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት ነዚ ከምዘረጋገጹላ ኣስሚራትሉ።

ንሳ፣ ኣቐዲማ ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻባት’ውን ኣብ ኤርትራ እቲ ዝዓበየ ጠንቒ ስደት ግዱድ ዕስክርናን ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ምዃኑ ደጋጊማ ገሊጻቶ’ያ።

 

ብጉልባብ ሃገራዊ ኣግልግሎት ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ዝፍጽም ከም ኣሰቓቒ ማእሰርትን ግፍዕታትን ዝኣመሰለ ማእለያ ዘይብሉ ምግሃስ መሰላት ደቂሰብ’ውን ኣብ ኤርትራ ግኑን ምዃኑ ብቐጻሊ ካብ እትጠቕሶ’ያ።

ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ከተጽንዕ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘት ሸይላ ኪታሩት፣ ኣብ ኤርትራ ኣትያ’ውን መጽናዕታ ከይትቕጽል መንግስቲ ኤርትራ ከምዝኸልከላ ዝፍለጥ’ዩ።

ዛጊት ኣቕሪባቶ ዘላ ጸብጻባት ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ድማ፣ ኣብ ጎረባብትን ካልእ ክፋል ዓለም ተሰዲዶም ካብ ዝርከቡ ኤርትራውያን ከምኡ’ውን ምስ ኤርትራ ቅርበት ዘለዎም ኣህጉራውያን ማሕበራትን ትካላትን ብምውካስ’ዩ።

=============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0