ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ኣብ ዝተኣኻኸብሉ ጫካታት ካሌ ዘጋጠመ ባርዕ ምስ ሽበራ ምትሕሓዝ ከምዘይብሉ ተገሊጹ

ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ኣብ ዝተኣኻኸብሉ ጫካታት ካሌ ዘጋጠመ ባርዕ ምስ ሽበራ ምትሕሓዝ ከምዘይብሉ ተገሊጹ

Radio Erena: 15 November 2015

Calais Fire

ካብ ፈረንሳ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት ዝእከቡሉ ግዚያዊ መጽለሊ ብሓዊ ዝተቓጸለሉ ምኽንያት ምስቲ ኣብ ከተማ ፓሪስ ዝተኻየደ ሽበራዊ መጥቃዕታት ምትሕሓዝ ከምዘይብሉ ተገሊጹ።

እቲ ብቴንዳታት ዝተሰርሐ ግዚያዊ መጽለሊ፣ ሒደት ሰዓታት ድሕሪ’ቲ ብጥሩፍ ጉጅለ ዳዒሽ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ከተማ ፓሪስ ዘካየዶ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ብምፍጻሙ፣ ቁጠዐኦም ንምግላጽ ኣንጻር ስደተኛታት መርገጺ ዘለዎም ፈረንሳውያን ከምዝወልዑዎ እዩ ንክገር ጸኒሑ።

እንተኾነ ኣብቲ ቦታ ኣብ ሰብኣዊ ረዲኤት ዝነጥፋ ሃይማኖታውያን ትካላት ብዝህቦኦ ዘለዋ ሓበሬታ፣ እቲ ባርዕ ከይጠፈአ ብዝተረሰዐ ሽምዓ ከምዝተላዕለ ይሕበር።

 

ሓደ ካብቶም ዝተቐትሉ ኣሸበርቲ፣ ከም ስደተኛ ተመሲሉ ዑቕባ ዝሓተተ ሶርያዊ ምዃኑ ሰበስልጣን ጸጥታ ፈረንሳ ድሕሪ ምሕባሮም፣ ኣብ ሓያሎ ስደተኛታት ሻቕሎት ፈጢሩ ይርከብ።

እቲ ባርዕ ኣብ ዝተላዕለሉ ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ኣባላት ፖሊስ ከህድእዎ ከምዝፈተኑ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ይገልጹ። ብሰንኪ’ቲ ሓደጋ ሓዊ ፈኲስ መቑሰልቲ እንተዘይኮይኑ፣ ኣብ ህይወት ሰብ ዝበጽሐ ጉድኣት የለን።

ዝበዝሑ ካብቶም ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ፈረንሳ ዝርከብ ብ’ጃንግል’ ዝፍለጥ ቦታ ኣጽሊሎም ዘለዉ፣ ኤርትራውያን፣ ሱዳናውያንን ሶርያውያንን ክኾኑ እንከለዉ፣ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ኣብ ዝሕልኑሉ እዋን ሓያሎ ካብኦም ህይወቶም ከምዝስእኑ ብተደጋጋሚ ክሕበር ጸኒሑ’ዩ።

================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0