ናብ ሱዳን ዝኣትዉ ዜጋታት ግብጺ ኣቐዲሞም ቪዛ ክሓቱ ዝወጸ ሓድሽ ኣዋጅ፣ ኣሸበርቲ ንምቁጽጻር’ዩ ምዃኑ መንግስቲ ሱዳን ገሊጹ

Radio Erena: 13 April 2017

Visa Su

ናብ ሱዳን ዝኣትዉ ዜጋታት ግብጺ ኣቐዲሞም ቪዛ ክሓቱ ዝወጸ ሓድሽ ኣዋጅ፣ ኣሸበርቲ ንምቁጽጻር’ዩ ክብል መንግስቱ ሱዳን ገሊጹ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኢብራሂም ጋንዶር ኣብ መግለጺኡ፣ ነቲ ካብ 2004 ኣትሒዙ ንዜጋታት ግብጺ ናብ ሱዳን ብዘይቪዛ ክኣቱ ዝፈቕድ ኣዋጅ ቅድሚ ምቕያሩ፣ ምስ መንግስቲ ግብጺ ኣብ ምርድዳእ ከምዝተበጽሐ ኣገንዚቡ።

ኣብ መንጎ ግብጽን ሱዳንን፣ ብጉዳይ ዋንነት ሓላይብን ኣጠቓቕማ ናይልን ብዝምልከት ተኸሲቱ ዘሎ ሓያሎ ዘይምርድዳእ ጠንቂ’ቲ ናይ ሱዳን ሓድሽ ኣዋጅ ምዃኑ’የን ማዕከናት ዜና ግብጺ ዝጠቕሳ ዘለዋ።

ሱዳን ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ግብጺ ሓድሽ ናይ መእታዊ ቪዛ ሕግታት ዘተግበረት፣ ፕረዚደንት ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሰለስተ መዓልታት ወግዓዊ ምብጻሕ ኣብ ዝፍጽመሉ ዝነበረ እዋን’ዩ።

ፕረዚደንት ሱዳን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ ዋዕላ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝኽሰት ሓደጋ ሃገርዊ ድሕነት ንሱዳን’ውን ስግኣት ምዃኑ’ዩ ኣስሚርሉ።

ብመሰረት እቲ ካብ 3 ሚያዝያ ኣትሒዙ ኣብ ግብሪ ውዒሉ ዘሎ ሓድሽ ኣዋጅ፣ ናብ ሱዳን ክጉዕዙ ዝደልዩ ካብ 18 ክሳብ 49 ዓመት ዝዕድሚኦም ዜጋታት ግብጺ ኣቐዲሞም ቪዛ ክሓቱ ኣለዎም።

ካብዚ ዝዝተጠቕሰ ክሊ ዕድመ ወጻኢ ዘለውን ደቂንስትዮን ግና ናብ ሱዳን ንምእታው ቪዛ ከምዘየድልዮም እቲ ኣዋጅ ብተወሳኪ ይጠቕስ።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0