ናብ ርሑቕ ገጠራት ዝተመደቡ መማህራን ኣብ ቦትኦም ክርከቡ ብዘይምኽኣሎም ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ስሩዕ ትምህርቲ ክጅምር ኣይከኣለን

ዓመተ ትምህርቲ 2013/2014 ኣብ ዝጅምረሉ ዘሎ እዋን ናብ ርሑቕ ገጠራት ዝተመደቡ መማህራን ኣብቲ ዝተመደበሎም ኣብያተ ትምህርቲ ክርከቡ ከምዘይክኣሎ ሚኒስትሪ ትምህርቲ መጠንቐቕታታት የመሓላልፍ ኣሎ።

 

ብፍላይ ኣብ ዞባታት ዓንሰባን ደቡብን ኣብ ርሑቕ ገጠራት ሓደሽቲ ዝተመደቡን ነባራትን መማህራን ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣብተን ኣብያተ ትምህርቲ ክርከቡ ብዘይምኽእሎም፣ ስሩዕ ትምህርቲ ክጅምር ከምዘይክኣለ’ዩ ዘረጋገጽ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ።

ዓሚ’ውን ተመሳሳሊ ጸገም ኣጋጢሙ ከምዝነበረ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ፣ ጠንቒ ናይዚ ድማ እቶም ኣብ ርሑቕ ገጠራት ዝምደቡ ሓደሽቲ ይኹኑ ነባራት መማህራን ሃገራዊ ኣገልግሎት ብምዃኖም ብዘይእኹል ክፍሊትን ዘተባብዒ መጻእን መማህራን ካብ ምዃን ምዅብላልን ስደት ብስግረዶብን ይመርጹ ስለዘለዉ’ዩ ክብል’ውን ኣብሪሁ።

መንግስቲ ኤርትራ ደሞዝ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ብፍላይ ድማ መማህራን ምትዕርራይ ክግበረሉ’ዩ ዝብል ተደጋጋሚ ወረ ዝናፈስ እኳ እንተኾነ፣ ክሳብ እዚ እዋን እዚ ግና መነባብሮ መማህራንን ብሓፍሻ ድማ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ንምትዕርራይ ዝተወስደ ተበግሶ የለን።

==================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0