ናብ ሊብያ ክሰግሩ ዝፈተኑ 347 ኤርትራውያን ኣብ ቀይዲ ኣትዮም

janjመንግስቲ ሱዳን ናብ ሊብያ ክሰግሩ ዝፈተኑ 347 ኤርትራውያን ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወ ኣፍሊጡ።
እቶም ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ሓይልታት ጸጥታ ዝኣተዉ 347 ኤርትራውያን፣ ተኸታታሊ መርመራታት ምስ ተገብረሎም ናብ ኤርትራ ክጥረዙ ከምዝኽእሉ ስሞም ክጥቀስ ዘይደለዩ ሰበስልጣን’ታ ሃገር ንኤ.ኤፍ.ፒ. ገሊጾም።

ሕብረት ኤውሮጳ ምስ ኤርትራን ሱዳንን ዝርከብአን ስደተኛታት ዘፍርያ ሃገራት ብዝኣተዎ ስምምዕ መሰረት ብፍላይ’ቶም ካብ ኤርትራ፣ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝብገሱ ስደተኛታት ሊብያ ከይበጽሑ እንከለዉ ዝኽልከሉሉ መንገዲ ንምፍጣር ጻዕርታት ከካይድ ጸኒሑ’ዩ።
እቲ ኣብ ካርቱምንን ማልታን ዝተኣትወ ስምምዕ ኣብ መንጎ ሕብረት ኤውሮጳን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን፣ እቲ ሕብረት ፋይናንስያዊ ሓገዝ ክገብረለን እተን ሃገራት ከኣ ኣምሳያኡ ዜጋታተን ናብ ኤውሮጳ ንኸይውሕዙ ንምክልኻል ምዃኑ ይፍለጥ።
ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ነቶም 347 ኤርትራውያን ኣብ ዝሓዙሉ እዋን፣ 130 ኢትዮጵያውያን፣ 90 ሱዳናውያን ከምኡ’ውን 10 ኣሰጋገርቲ’ዮም ዝበልዎም ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ የእትዮም ኣለዉ።
ተወላዲ ጫድ ዝኾነ ሓደ ካብቶም ኣሰጋገርቲ ንኤ.ኤፍ.ፒ. ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ‘ኣነ ነቶም ዝተበሃልኩዎም ሰባት ካብ ሱዳን ናብ ሊብያ ዶብ ምስጋር ጥራይ እዩ ስርሐይ፣ ካልእ ዝፈልጦ የብለይን። ንኩሉ’ቲ መስርሕ ዝከታተሉ ኣብ ሊብያ ዘለዉ ኣሰጋገርቲ’ዮም’ ክብል ገሊጹ።
ተጣበቕቲ ጉዳይ ስደተኛታት ብወገኖም ኣብ ዝህብዎ ዘለዉ ሓበሬታ፣ እቶም ሓለዋ ዶብ ተባሂሎም ዝጥቀሱ ዘለዉ ሰራዊት ሱዳን፣ ኣብ ሓደ እዋን ብምልሻ ጃንጃዊድ ዝፍለጡ ዝነበሩ ሓያሎ ገበናት ዝፈጸሙ ሸፋቱ ክነሶም ብመንግስቲ ሱዳን ዝዓጠቑን ዝምወሉን እዮም፣ ንሓደጋ ዝቃልዑ ዘለዉ ስደተኛታት ካብ ሓዊ ናብ ረመጽ ይሰግሩ ኣለዉ ክብሉ ይገልጹ።
ተጸዋዒ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝርከቦም ኣህጉራውያን ተጣበቕቲ መሰላት፣ ነዚ መንግስቲ ሱዳን ብተደጋጋሚ ዝወስዶ ዘሎ ኤርትራውያን ናብ ሃገሮም ናይ ምምላስ ስጉምቲ ደው ከብሎ ጸዊዖም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0