ቅልውላው ዚምባብወ ብረቡዕ’ውን ቀጺሉ ውዒሉ

zimba proኣብ ዚምባብወ ንፕረዚደንት ሙጋበ ዝቃወም ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፣ ዝሓለፈ ረቡዕ ሓያሎ ትካላት ንግዲ ከምዝዓነዉ ካብታ ሃገር ዝተመሓላለፈ ዜና ኣመልኪቱ።
በርጌሳውያን ማሕበራት ዚምባብወ፣ ንከተማ ሃራረ ናይ ምጽማው ኣድማ ንምክያድ ኣብ ዘቕረቡዎ ጻውዒት፣ ወነንቲ ትካላት ንቡር ስርሖም ብምቕጻል ነቲ ጻውዒት ብዘይምቕባሎም ዝተቖጥዑ ሰልፈኛታት፣ ትካላቶምን ንብረቶምን ከዕንዉ ከምዝጀመሩ ተሓቢሩ።

ኣብ ዚምባብወ ዘሎ ኩሉ መዳያዊ ቅልውላው መንግስቲ’ታ ሃገር ጥራይ ዘይኮነ ዝሕተተሉ፣ እቲ ሓያል ጥርናፈን ድልዱል መሪሕ ሕንጻጻትን ዘይብሉ ተቓዋሚ ሓይሊ’ውን ብሰንኪ ዘይጽፉፍ ኣወዳድባኡ ኣብ ህዝብን ቁጠባን’ታ ሃገር ዕንወት ካብ ምኽታል ኣየዕረፈን ክብሉ ተንተንቲ ፖለቲካ’ቲ ከባቢ የመልክቱ።
ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣብዚ እዋን ዘይምርግጋእ ኩሎም ወገናት ንድሕነት ህዝቢ ሓልዮም ኣብ ዘተ ሰላም ክኣትዉን፣ ሰላማውን ደሞክራስያውን ስርዓተ ሕጊ ዝኽተል መንግስቲ ኣብ ምቛም ክተሓባበሩን ጸዊዑ።
መንግስቲ ዚምባብወ ንጻውዒት ሰላም ሕብረት ኤውሮጳ ብምንጻግ፣ እቲ ኣብ ከተማ ሃራረ ዝረአ ዘሎ ናዕቢ፣ ኣብታ ሃገር ብዝርከባ ኤምባሲታት ዝጎሃሃር ዘሎ’ዩ ክብል፣ ንወጻእተኛታት ይኸስስ።
80 ሚእታዊት ካብ ህዝባ ብሽቕለተ ኣልቦነት እትሳቐ ዚምባብወ፣ ንሰራሕተኛታት መንግስቲ’ውን ደሞዝ ናይ ምኽፋል ዓቕሚ ኣብ ዘይትውንነሉ እዋን እያ በጺሓ እትርከብ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0