ነፈርቲ ውግእ፣ ኣብ ትግራይ፣ ዓዲ ዳዕሮ ኣብ ዘካየድኦ ደብዳብ፣ ቆልዑን ኣዴታትን ዝርከብዎም ሓያሎ ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 29 September 2022

ነፈርቲ ውግእ፣ ኣብ ትግራይ፣ ዓዲ ዳዕሮ ኣብ ዘካየድኦ ደብዳብ፣ ቆልዑን ኣዴታትን ዝርከብኦም ሓያሎ ሰባት ተቐቲሎም።

እቲ ካብ ኣህጉራዊ ማሕበር ሰብ ኩነኔ ዝስዕቦ ዘሎ፣ ብ28 መስከረም ዝተፈጸመ ደብዳብ፣ ነፈርቲ ውግእ ኤርትራ ከምዝፈጸምኦ ክልላዊሓይልታት ትግራይ ወቒሶም።

እንተኾነ፣ እተን ነቲ ደብዳብ ዘካየዳ ነፈርቲ ውግእ ናይ ኤርትራ ወይ ናይ ኢትዮጵያ ምዃነን ብናጻ ኣካል ኣይተረጋገጸን።

ነፈርቲ ውግእ ኤርትራ፣ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ኣብ ትግራይ፣ ብውሕዱ ኣብ ኣርባዕተ ግዜ ደብዳብ ከምዘካየዳ ራድዮ ኤረና ንምንጭታታት ብምውካስ ከተረጋግጽ ክኢላ’ያ።

ይኹን’ምበር፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ዓዲ ዳዕሮ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብነፈርቲ ውግእ ኤርትራ ከምዝተፈጸመ ከተረጋግጽ ኣይከኣለትን።

ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሓባር ኣብ ትግራይ ኣብ ዘካይድዎ ዘለዉ ኵናት፣ ብሰብ ኣልቦ በረርቲ ወይ ድሮናትን ነፈርቲ ውግእን ይሕገዙ ምህላዎም ይፍለጥ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0