ነዳዲ እተመላልስ መርከብ ኣመሪካ፣ ኣብ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ኣርፒጂ መጥቃዕቲ ተኻይዱላ

ነዳዲ እተመላልስ መርከብ ኣመሪካ፣ ኣብ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ኣርፒጂ መጥቃዕቲ ተኻይዱላ

Radio Erena: 08 June 2017

ነዳዲ እተመላልስ መርከብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ኣብ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ፣ መጻብቦ ባብ ኤል መንደብ ናይ ኣርፒጂ መጥቃዕቲ ከምዝተኻየደላ ክፍሊ ምክልኻል እታ ሃገር-ፔንታጎን ኣፍሊጡ።

እታ M/V Muskie ዝተሰምየት መርከብ፣ ኣብቲ ንኤርትራ፣ ጅቡቲን የመንን ዘዋስን ክሊ ማይ ቀይሕ ባሕሪ፣ ባብ ኤል መንደብ ኣብ ዝበጽሓትሉ፣ ካብ ንኣሽቱ ጃላቡ ሰለስተ ናይ ኣርፒጂ ሮኬታት ከምዝተፈነወላ ዝሓበረ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ሓለዋ ተዋፊሩ ዝነበረ ሓይሊ ባሕሪ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ከቢድ ጉድኣት ከምዘይወረዳ ገሊጹ።

 ክፍሊ ምክልኻል ኣመሪካ ፔንታጎን ይኹን ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ መጥቃዕቲ መን ከምዝፈጸሞ ከረጋግጹ እኳ እንተዘይክኣሉ፣ ዕጡቓት ሑቲ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ግምታት ኣሎ።

እታ ዝሓለፈ ሰሙን መጥቃዕቲ ዝተኻየደላ ነዳዲ እተመላልስ መርከብ ኣመሪካ ድሕሪ’ቲ ዝወረዳ መጠናዊ ጉድኣት ብዝተገብረላ ቅልጡፍ ረዲኤት ናብ ውሑስ ቦታ ግዒዛ ጽገና ከምዝተገብረላ ተሓቢሩ።

ይኹን’ምበር ድሕሪ’ቲ ዝወረዳ መጥቃዕቲ እታ መርከብ ናበይ ቦታ ከምዝተወስደት ብንጹር ኣይተጠቕሰን።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፣ ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ልዕሊ መርከብ ሕቡራት ኢማራት ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምክያዶም፣ እታ ዝዓነወት መርከብ ብሓገዝ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ተሳሒባ ናብ ወደብ ዓሰብ ከምዝተጸግዐት ኣይርሳዕን።

ሑቲ ብዘይካ’ዚ’ውን ኣቐዲሙ ኣብ ካልእ ናይ ኣመሪካ መርከብ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ከምዝፈተነ’ዩ ዝግለጽ።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0