ሬድዮ ኤረና ፍሉይ ሽልማት ሜድያ ሓንቲ ዓለም 2017 ተዓዊታ

ሬድዮ ኤረና ፍሉይ ሽልማት ሜድያ ሓንቲ ዓለም 2017 ተዓዊታ

Radio Erena: 07 June 2017

Radio Erena

ሬድዮ ኤረና፣ ፍሉይ ሽልማት ሜድያ ሓንቲ ዓለም (One World Media, special award 2017) ተዓዊታ።

ኣብቲ ትማሊ ሰሉስ 6 ሰነ፣ ኣብ ሰዓታት ናይ ምሸት፣ ኣብ ለንደን፣ ባፍታ ዝተኻየደ ወግዓዊ ስነ ስርዓት ምዕዳል ሽልማት One World Media፣ ሬድዮ ኤረና ኣብ special award 2017 ንዝተሮቑሓ ሓያሎ ማዕከናት ዜና ብምምራሕ’ያ ተዓዋቲት ኮይና።

እቲ ኣብ ብሪጣንያ ዝመደበሩ፣ ኣብ መራኸቢ ሓፋሽን ሞያ ጋዜጠኝነትን ፍሉይ ኣበርክቶ ንዝገበሩ ዓመታዊ ሽልማት ዝዕድል ትካል One World Media ብሮቡዕ 31 ግንቦት ኣብ ዝዘርግሖ ውግዓዊ መግለጺ፣ ‘ኑባ ሪፖርትስ’ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ሱዳንን ‘ኣንቲኮሩፕቲ’ ዝተሰምየ ናይ ማልዶቭያ ሜድያን ምስ ሬድዮ ኤረና፣ ነዚ ናይ 2017 ፍሉይ ሽልማት ረቑሑወን ከምዘሎ ኣቐዲሙ ተቃሊሑ’ዩ።

ሜድያ ሓንቲ ዓለም፣ ኣብ ካልእ ዓውድታት ሜድያ’ውን ካብ ሮይተርስ፣ ኣልጀዚራ፣ ፎክስ ኒውስ፣ ቢቢሲ፣ ብሉምበርግን ካልኦት ዓበይቲ መራኸብቲ ሓፋሽ ዓለምናን ንዝተፈላለየ ሽልማታት ክዕድል እንከሎ፣ ኣብቲ ሽልማት ናይ ምዕዳል ስነ ስርዓት፣ ኣብ ሜድያ፣ ስነ ጥበብ፣ ፖለቲካን ፊናንስን ህቡብ ስም ዘለዎም ውልቀ ሰባትን ትካላትን ተረኺቦም ኔሮም።

ንሬድዮ ኤረና ብምውካል ኣብቲ ስነ ስርዓት ዝተሳተፈ ጋዜጠኛ ፈትሒ ዑስማን፣ ከኣ እቲ ንሬድዮ ኤረና ዝተዋህበ ክብሪ፣ ነቶም ብሰንኪ ንናጽነት ፕረስ ዘካየድዎ ቃልሲ ኣብ ኤርትራ ኣብ ማሕዩር ዝሳቐዩ ዘሎ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ክብሪ ምሃብ’ዩ ክብል ገሊጽዎ።

One World Media፣ ካብ 1988 ኣትሒዙ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ዓውድታት መራኸቢ ሓፋሽ፣ ፍሉይ ኣበርክቶ ንዝገበሩ ጋዜጠኛታትን ማዕከናት ዜና ዓለምን ክብርን ሽልማትን ክህብ ዝጸንሐ ኣህጉራዊ ትካል’ዩ።

=====================

 

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0