ነዘርላንድስ፣ መንግስቲ ኤርትራ ዝእክቦ ግብሪ ኣተሓሳሳቢ’ዩ ትብል

holland eriነዘርላንድስ፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ወጻኢ ካብ ዝርከቡ ዜጋታቱ ዝእክቦ ግብሪ 2 ሚእታዊት ከምዘተሓሳሰባ ገሊጻ።

መንግስቲ ነዘርላንድስ ብዕለት 23 ነሓሰ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝእከብ ግብሪ ጸገም ዘይብሉ’ኳ እንተኾነ፣ ብኣስገዳድ ይእከብ ምህላዉ ግና ንሕጋውነቱ ኣተሓሳሳቢ ከምዝገብሮ ኣመልኪቱ።

 

ታክስ ኒውስ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ነዘርላንድስ በርት ኮንደርስ ምስ ኤርትራዊ መዘንኡ ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ ኣብ ዘካየዶ ርክብ፣ ብፍላይ ኤርትራውያን ነበርቲ ነዘርላንድስ ግብሪ 2 ካብ ሚእቲ፣ ክኸፍሉ ምስግዳድ ወይ ምፍርራህ ሃገሩ ከምዘይትቕበሎ ምግላጹ ኣፍሊጡ።

ኣብ ነዘርላንድስ ዝነብሩ ኤርትራውያን ግብሪ 2 ሚእታዊት ክኸፍሉ ዝግደዱ ወይከኣ መፈራርሒ ዝወርዶም ምዃኑ ጭቡጥ መርትዖ እንተተረኺቡ፣ መንግስቲ’ታ ሃገር መርመራ ከካይድ ከምዝኽእል እቲ ሚኒስተር ብተወሳኺ ገሊጹ።

ብኣገላልጻ’ቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፣ ኤርትራውያን ነበርቲ ነዘርላንድስ ንክልተ መንግስታት ግብሪ ብምኽፋሎም ዝፈጠረሎም ጸቕጢ፣ ምስ ህዝቢ’ታ ሃገር ንከይወሃሃዱ ጠንቂ ኮይኖም ካብ ዘለዉ ጉዳያት ሓደ ሙዃኑ’ዩ ዘመልክት።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ወጻኢ ካብ ዝነብሩ ዜጋታቱ ዝእክቦ ግብሪ 2 ሚእታዊት፣ ፖሊስ ከተማ ለንደን እውን ኣብ 2015 መርመራ ኣካዪዱሉ ምንባሩ ይዝከር።

COMMENTS

WORDPRESS: 0