ነርወይ፣ ዑቕባ ንዝነጸገቶም ኤርትራውያን ክሳብ መወዳእታ 2015 ናብ ዓዶም ንምምላስ መደብ ከምዘለዋ ተገሊጹ

ነርወይ፣ ዑቕባ ንዝነጸገቶም ኤርትራውያን ክሳብ መወዳእታ 2015 ናብ ዓዶም ንምምላስ መደብ ከምዘለዋ ተገሊጹ

Radio Erena : 27 May 2015

Norway

ነርወይ፣ ፖለቲካዊ ዑቕባ ንዝነጸገቶም ኤርትራውያን ናብ ዓዶም ንምምላስ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ክትዘራረብ ምዃና ተገሊጹ።

ማዕከን ዜና ዘ ሎካል ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ብሕሉፍ የመናዊ ሰልፊ ዝቖመ መንግስቲ ነርወይ፣ ነቶም መንበሪ ፍቓድ ዘይሃቦም ኤርትራውያን ብግዴታ ናብ ዓዶም ንምምላስ ንሓደ ካብ ላዕለዎት ሰበ ስልጣናቱ ናብ ኤርትራ ብምልእኽ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ክዘራረብ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

 

ጸሓፊ ሚኒስትሪ ፍትሒ ኖርወይ ዮራን ካልሚር፣ ኣብዚ ቀረባ ናብ ኤርትራ ብምምራሕ ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ክዘራረብ ምዃኑ ዝሓበረ እቲ ማዕከን ዜና፣ ነርወይ ነቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝቐረበጸ ጸብጻብ ኩነታት ሰባዊ መሰላት ኤርትራ ዕሽሽ ብምብላ፣ ዑቕባ ንዝነጸገቶም ኤርትራውያን ብግዴታ ናብ ዓዶም ክትመልስ ምሕሳባ ነቒፉ።

እቲ ናብ ኤርትራ ዑደት ከካይድ ምዃኑ ዝተገልጸ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ነርወይ ንቴሌቪዥን እታ ሃገር TV2ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቶም መንበሪ ፍቃድ ዘይተዋህቦም ኤርትራውያን ክሳብ መወዳእታ 2015 ናብ ዓዶም ክምለሱ ተኽእሎ ምህላዉ ኣፍሊጡ።

ዮራን ካልሚር ብተወሳኺ፣ ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ዕዉት ዝርርብ ከካይድ ዘለዎ ተስፋ ብምግላጽ፣ እቲ መንግስቲ ሰብኣዊ መሰላት ከኽብር ትጽቢት ምህላዉ ጠቒሱ።

መብዛሕቶም ኣብ ነርወይ ዑቕባ ዝሓቱ ዘለዉ ኤርትራውያን ካብ ግዱድ ወትሃደራዊ ዕስክርናን ንዕኡ ስዒቡ ዝመጽእ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ዝሃደሙ ምዃኖም’ዮም ዝገልጹ።

ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ክምርምር ብሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘ ኮሚሽን፣ ኣብ ኤርትራ ብመንግስቲ ዝፍጸም ከበድቲ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ምህላዉ ኣረጋጊጹ ክነሱ፣ ነርወይ ፖለቲካዊ ዑቕባ ንዝነጸገቶም ኤርትራውያን ናብ ዓዶም ክትመልሶም ምሕሳባ፣ ካብ ኣህጉራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት’ውን ነቕፌታ ክወርዳ’ዩ።

ስዊዘርላንድ’ውን ተመሳሳሊ ውጥን እኳ እንተነበራ፣ ብዛዕባ’ዚ ንምዝርራብ ናብ ኤርትራ ዑደት ዘካየደ ወኪል መንግስቲ እታ ሃገር ግና ዜጋታት ኤርትራ ናብ ዓዶም ም,ምላስ ከምዘይከኣል ደሚዲሙ’ዩ።

ብሪጣንያን’ውን ተመሳሳሊ መጽናዕቲ ድሕሪ ምክያድ፣ ካብ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንዝሃደሙ ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ዑቕባ ምሃብ ኣካታዒ ጌራቶ ምህላዋ ይፍለጥ።

ሃገራት ኤውሮጳ ኣብዚ እዋን’ዚ ሓደ ካብቲ ኣውራ ዝዘራረባሉ ዘለዋ ጉዳይ ዋሕዚ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት’ዩ።

========================================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0