ኣባላት ጸጥታ ሱዳን፣ ናይ 10 ጋዜጣታት ብሕቲ ሕታማት ኣኪቦም

ኣባላት ጸጥታ ሱዳን፣ ናይ 10 ጋዜጣታት ብሕቲ ሕታማት ኣኪቦም

Radio Erena : 27 May 2015

SudaPape

ኣባላት ጸጥታ ሱዳን፣ ብሰኑይ 25 ግንቦት ናይ ዝተዘርግሐ ሕተምት ናይ 10 ጋዜጣታት ብሕቲ ከምዝኣከቡ ተሓቢሩ።

መንግስቲ ሱዳን ኣባላት ጸጥታ ብምውፋር ነቲ 10ታት ኣሽሓት ዝተሓተመ ጋዜጣታት ክእክቡ ዝኣዘዘሉ ምኽንያት፣ ብዛዕባ ኣብታ ሃገር እናገነነ ዝመጽእ ዘሎ ዓመጽ ደቂንስትዮ ብዝምልከት ጽሑፋት ብምስፋረን ምዃኑ ኣሰናዳእቲ ናይተን ጋዜጣታት ይጠቕሱ።

መንግስቲ ሱዳን፣ ንዝተሓትመ ጽሑፋት ንምእጋድ፣ ዝተዘርግሐ ጋዜጣታት ብምእካብ ዝተፈልጠ ምዃኑ ዘመልከቱ እቶም ኣሰናዳእቲ፣ እዚ ናይ ሰኑይ ፍጽሜ ግና ብብዝሑ ፍሉይ ምንባሩ ገሊጾም።

 

ኣባላት ጸጥታ ሱዳን ነቲ ካብ ሰምንበት ምሸት ክሳብ ሰኑይ ንግሆ ዝተዘርግሐ ናይ 10 ጋዜጣታት ሕትመታት ድሕሪ ምእካቦም፣ ንኣርባዕተ ካብተን ጋዜጣታት ደጊመን ኣብ ስራሕ ከይዋፈራ ፍቓደ ከምዘሕደገወን’ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ቅድሚ ምርጫ ሱዳን ኣብ ወርሒ ለካቲት ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ፖለቲካዊ ጎስጓሳት’ውን ኣባላት ጸጥታ ሱዳን ድሮ ተዘርጊሑ ኣብ ዕዳጋ ዝወዐለ ናይ 14 ጋዜጣታት ሕታማት ከምዝኣከበ ተገሊጹ ኔሩ’ዩ።

ሱዳን እትርከበን ሓያሎ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ ንጋዜጠኛታት ሓደገኛ ተባሂለን ዝግለጻ ሃገራት እኳ እንተኾና፣ ምስ ኩሉ ዘለዎም ጸገማት ግና 10ታት ናይ ብሕቲ ማዕከናት ዜና- ሬድዮን ጋዜጣታትን ንጥፈታተን ኣብ ምቕጻል ይርከባ።

ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዘለዋ 55 ሃገራት፣ 12 ገጻት ዘለዋ፣ ንሳውን ብመንግስቲ እትውነን ሓንቲ ጋዜጣ ዝዝርግሓላ ሃገር፣ ኤርትራ ጥራይ’ያ።

ኣብ ኤርትራ ብዘይካተን ብመንግስቲ ዝውነና ሓንቲ ጋዜጣ፣ ሬድዮን ቴሌቪዥንን ካልእ ዝኾነ ናይ ብሕቲ ማዕከን ዜና ከምዘየለ ይፍለጥ።

===========================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0