ነርወይ፣ ናብ ሃገሮም ብፍቓዶም ንዝምለሱ ሓተቲ ዑቕባ 30 ሽሕ ክሮና ክትህብ ትመባጻዕ

ነርወይ፣ ናብ ሃገሮም ብፍቓዶም ንዝምለሱ ሓተቲ ዑቕባ 30 ሽሕ ክሮና ክትህብ ትመባጻዕ

Radio Erena: 27 April 2016

Nor

ብብዝሒ ስደተኛታት እተማርር ዘላ ነርወይ፣ ናብ ሃገሮም ብፍቓዶም ንዝምለሱ ሓተቲ ዑቕባ 30 ሽሕ ክሮና ክትህብ ምዃና ከምዝገለጸት ማዕከን ዜና ዘ ሎካል ሓቢሩ።

ነርወይ ኣቐዲማ’ውን ንዘውጽኣቶ ናይ 20 ሽሕ ክሮና መብጽዓ ብ10 ሽሕ ብምዝያድ’ያ ብፍቓዶን ንዝምለሱ ሓተቲ ዑቕባ ክሳብ 30 ሽሕ ክሮና ክትህብ ምዃና ትገልጽ።

እቲ መንግስቲ ነርወይ ኣውጽኢዎ ዘሎ ብፍቓዶም ናብ ሃገሮም ዝምለሱ ሓተቲ ዑቕባ፣ ነቶም ኣቐዲሞም ቅጥዒ ዝመልኡ 500 ሰባት ቀዳምነት ከምዝህብ’ዩ ዘመልክት።

 

እታ ሃገር፣ ብፍቓዶም ናብ ሃገሮም ንዝምለሱ መተባብዒ ክትህብ ምዃና ትሕብር ዘላ፣ ኣብ ማእከላት ስደተኛታት ንዝርከቡ ሓደሽቲ ሓተቲ ዑቕባ፣ ንመንበሪ ገዛ እተባኽኖ ዘላ ባጀት እናዛየደ ብምምጽኡ ምዃና ሚኒስተር ስደተኛታት ስይልቪ ልስትዋግ ንማዕከን ዜና ዘ ሎካል ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ ተረድእ።

ኣብ ነርወይ ፖለቲካዊ ዑቕባ ከሕትቶም ዝኽእል ብቑዕ ምኽንያት ዘይብሎም’ውን ነቲ ዕድል ክትቐምሉ እታ ሚኒስተር ተዘኻኽር።

እዚ መንግስቲ ነርወይ ብፍቓዶም ናብ ሃገሮም ንዝምለሱ ሓተቲ ዑቕባ ሰሊዕዎ ዘሎ ናይ 30 ሽሕ ክሮና መተባብዒ፣ ብመንጽር ሸርፊ ክርአ እንከሎ ኣስታት 3 ሽሕ ኤውሮ’ዩ።

ኣብ ዓመት 2015 ኣብ ነርወይ ዑቕባ ካብ ዝሓተቱ ኣስታት 31 ሽሕ ስደተኛታት እቶም ዝበዝሑ ዜጋታት ሶርያ፣ ኣፍጋኒስታን፣ ዒራቕን ኤርትራን ምዃኖም ጸብጻብ ክፍሊ ኢምግሬሽን እታ ሃገር የመልክት።

ኣብዚ ዓመት’ዚ ከኣ ብዝሒ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ኣስታት 60 ሽሕ ክብ ክብል እቲ ክፍሊ ግምታቱ ይህብ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0