ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ኣብ ስልጣን ብዝጸንሖ ብዝሒ ዓመታት፣ ኣብ ኣፍሪቃ ሻሙናይ ደረጃ ሒዙ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ኣብ ስልጣን ብዝጸንሖ ብዝሒ ዓመታት፣ ኣብ ኣፍሪቃ ሻሙናይ ደረጃ ሒዙ

Radio Erena: 27 April 2016

Obian

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ብምልኪ ዝነውሐ ዓመታት ኣብ ስልጣን ካብ ዝጸንሑ 54 መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ሻሙናይ ደረጃ ሒዙ።

መርበብ ሓበሬታ ናይጀርያ ቡለቲን ኣቕሪብዎ ብዘሎ ዝርዝር መሰረት፣ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ንዝነውሐ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ መራሒ ፕረዚደንት ኢኳቶርያል ጊኒ ቴዶር ኦብያንግ ክኸውን እንከሎ፣ እቲ ፕረዚደንት ካብ 1979 ኣትሒዙ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ን37 ዓመታት ኣብ ስልጣን ይቕጽል ኣሎ።

ፕረዚደንት ኣንጎላ ሆሴ ኤድዋርዶ ዶ ሳንቶስ’ውን ብተመሳሳሊ ን37 ዓመታት ኣብ ስልጣን ብምንጽሑ፣ ካልኣይ ደረጃ ክሕዝ እንከሎ፣ ፕረዚደንት ዚምባብዌ ሮበርት ሙጋበ ብ36 ዓመታት ሳልሳይ፣ ፕረዚደንት ካሜሮን ፖል ቡያ ብ32 ዓመታት ራብዓይ ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩዌሪ ሙሴቬኒ ብ30 ዓመታት ከኣ ሓምሻይ ተሰሪዖም ኣለዉ።

 

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ካብ ዝርከቡ መራሕቲ፣ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ብ26 ዓመታት ኣብ ኣፍሪቃ ንዝነውሐ ዓመታት ካብ ዝጸንሑ መራሕቲ ተባሂሉ ሻድሻይ ደረጃ ክሕዝ እንከሎ፣ ፕረዚደንት ቻድ ኢድሪስ ደቢ ከኣ ብ25 ዓመታት ሻብዓይ ደረጃ ሒዙ ይርከብ።

ምስዞም መራሕቲ ኣብ ተመሳሳሊ ዓመታት ናብ ስልጣን ዝመጸ ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ’ውን ካብቲ ኤርትራ ረፈረንዱም ብምክያድ ብወግዒ ናጻን ሉኣላዊትን ሃገራት ዝኾነትሉ ዓመተ 1993 ዓመት ምሕረት ኣትሒዙ ን23 ዓመታት ኣብ ስልጣን ብምጽንሑ፣ ሻሙናይ ደረጃ ሒዙ ክሕዝ ክኢሉ።

ፕረዚደንት ጋምብያ ያሕያ ጃምዕ ከኣ ብ22 ዓመታት ታሽዓይ ደረጃ ብምሓዝ፣ ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሑ መለኽቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝብል ክብረወሰን ተዋሂብዎም ኣሎ።

ኣብ ዝበዝሓ’ዘን ንልዕሊ 20 ዓመታት ብምልኪ ዝምርሓ ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ ስማዊ’ውን ይኹን

ምርጫ ክካየድ እንከሎ፣ ኣብታ መራሕተን ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስልጣን ሓዅሮም ካብ ዘለዉ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝኾነት ኤርትራ ግና ምርጫ ተኻይዱ ይኹን ንኽካየድ ተሓሲቡ ኣይፈልጥን።

ደምበ መለኽቲ እናተባህለት ኣብ እትግለጽ ኣፍሪቃ፣ ውሑስ ናይ ስልጣን ምስግጋር ክትግበር ስለዘይርአ፣ ነቶም ን10ታት ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከቡ መራሕቲ ንምእላው ወትሃደራዊ ዕልዋ ከም ንቡር መስርሕ’ዩ ዝውሰድ።

ኤርትራ’ውን፣ ደሞክራስያዊ ምስግጋር ስልጣን ንምትግባር ዝኾነ ውጥን ዘይብሉ ፕረዚደንት ይመርሓ ምስ ምህላዉ፣ ስልጣን ዝሰጋገረሉ እንኮ መንገዲ ዕልዋ ጥራይ ምዃኑ ሓያሎ ተንተንቲ ይጠቕሱ።

ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ብ41 ዓመታት ንዝነውሐ እዋን ኣብ ስልጣን ብምጽንሑ ክብረ ወሰን ሒዙ ዝነበረ ፕረዚደንት ሊብያ ሙዓመር ቐዛፊ፣ ብዘስካህክሕ ኣገባቢ ብህዝቢ ተጨፍጪፉ ኣብ 2011 ካብ ስልጣንን ካብ ገጻ እዛ ምድርን ጠቕሊሉ ከምዝተኣልየ ኣይርሳዕን።

======================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0