ቻድ፣ ድሕሪ ቅትለት ፕረዚደንት ደቢ፣ ወዱ ጀነራል መሓመድ ደቢ ዝመርሖ ወትሃደራዊ ጉጅለ ስልጣን ጨቢጡ

Radio Erena: 21 April 2021

ፕረዚደንት ቻድ፣ እድሪስ ደቢ፣ ኣብ ኵናት ንዝርከብ ሰራዊት ሃገሩ ኣብ ዝዕዘበሉ ዝነበረ እዋን ድሕሪ ዘጋጠሞ ከቢድ መውጋእቲ ብ19 ሚያዝያ ድሕሪ ምሟቱ፣ ወዱ መሓመት ደቢ ዝመርሒ ወትሃደራዊ ጉጅለ እታ ሃገር ስልጣን ከምዝሓዘ ተገሊጹ።

እቲ ወዲ 37 ዓመት ዝኾነ መሓመት ደቢ፣ ካብ ንኡስ ዕድሚኡ ኣትሒዝ’ዩ፣ ላዕለዋይ ወትሃድራዊ ስልጣን ዝነበሮን በዓል ኣርባዕተ ኮኾን ጀነራልን’ዩ።

ካብ ዶባት ሊብያ እናተበግሰኡ ጽዑቕ መጥቃዕታት ዘካይዱ ዘለዉ ዕጡቓት፣ ዝጀመርዎ ወትሃደራዊ ስርሒታት ብዝልዓለ ክቕጽልዎ ምዃኖም ኣፍሊጦም።

ኣብ ጎኒ ሰራዊት መንግስቲ ቻድ፣ ሰራዊታ ኣሰሊፋ ዘላ ፈረንሳ፣ ኣብ ኵናት ንዝሞተ ፕረዚደንት ቻድ እድሪስ ደቢ፣ ‘ተባዕ መሓዛን ኣብነታዊ ወትሃደራን’ ክትብል ገሊጻቶ።

ሞት እዚ መራሒ፣ ኣብቲ ዞባ ንዘሎ ዘይርጉእ ኩነታት ዘጋድድ ምዃኑ ዝገለጸ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ፈረንሳ፣ ምትሕግጋዝ ክልቲኤን ሃገራት ክቕጽል ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

ሚኒስተር ምክልኻል ፈረንሳ፣ ፍሎረንስ ፓርሊ ብወገና፣ ደቢ፣ ኣብ ቅናት ሳሕል ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ኣንጻር ሽበራ፣ ኣገዳሲ ምንባሩ ኣስምራትሉ።

እዚ ብጀነራል መሓመት ደቢ ዝምራሕ ወትሃደራዊ ጉጅለ ቻድ፣ ብውሕዱ ንክልተ ዓመታት ነታ ሃገር ብመሰጋገሪ መንግስቲ ከመሓድራ ምዃኑ ይግለጽ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0