ንቻድ ን31 ዓመታት ዝመርሐ ፕረዚደንት ኢድሪስ ደቢ ተቐቲሉ

Radio Erena: 20 April 2021

ካብ 1990 ኣትሒዙ ንቻድ ዝመርሐ፣ ፕረዚደንት ኢድሪስ ደቢ፣ ምስ ዕጡቓት ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት፣ ድሕሪ ዘጋጠሞ መጋእቲ፣ ከምዝሞተ ማዕከናት ዜና ፈረንሳ ኣረጋጊጸን።

ወዲ 68 ዓመት እድሪስ ደቢ፣ ብ11 ሚያዝያ፣ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ፣ ልዕሊ 79% ናይ ደገፍ ድምጺ ብምርካብ፣ ንሻድሻይ እዋኑ ኣብ ስልጣን ንምቕጻል ኣብ ምድላው እንከሎ’ዩ፤ ብሃንደበት ሞቱ ተሰሚዑ።

ብዛዕባ ኣብ ምርጫ ምዕዋቱን፣ ሰራዊት ቻድ ምስ ዕጡቓት ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ኵናት፣ ድማ ይግስግስ ከምዘሎ ንምሕባር ብቴሌቪዥን ‘ታ ሃገር መግለጺ ክህብ መደብ ዝነበሮ እድሪስ ደቢ፣ ቅድሚኡ፣ ናብቲ ኵናት ዝካየደሉ ዘሎ ከባቢታት ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን’ዩ ብከቢድ ቆሲሉ፣ ከምዝሞተ ተሓቢሩ።

ተቓወምቲ ዕጡቓት፣ ንሰራዊት መንግስቲ ብምድፋእ፣ ንርእሰ ከተማ ኤንጀመና ኣብ ከበባ ኣእትዮማ ምንባሮም ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ድሕሪ ሞት ፕረዚደንት ደቢ፣ ላዕለዎት ወትሃደራዊውያን ኣዘዝቲ እታ ሃገር ስልጣን ክሕዙ ከምዝኽእሉ ግምታት ኣሎ።

ንሰራዊት ደቢ ንምድጋፍ፣ ኣብ ቻድ፣ ሰራዊታ ኣዋፊራ እትርከብ ፈረንሳ፣ ብሕጂ እትወስዶም ስጉምታት ዛጊት ኣየነጸረትን።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0