ቻይና ኣብ ጅቡቲ እትገብሮ ዘላ ምስፍሕፋሕ ንኣመሪካ የስግእ

ቻይና ኣብ ጅቡቲ እትገብሮ ዘላ ምስፍሕፋሕ ንኣመሪካ የስግእ

Radio Erena: 09 March 2018

china

ቻይና ኣብ ጅቡቲ እትገብሮ ዘላ ወትሃደራውን ቁጠባውን ምስፍሕፋሕ ንረብሓታት ኣመሪካ ስግኣት ምዃኑ ኣዛዚ ሰራዊት ኣመሪካ እዚ ኣፍሪቃ ኣፍሊጡ።

ጀነራል ቶማስ ዋልድሁሰር ነዚ ዘፍለጠ ብሰሉስ 6 መጋቢት ንኣባላት ባይቶ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ’ዩ።

ኣመሪካ ምስፍሕፋሕ ቻይና ኣብ ጅቡቲ ከምዘስግኣ ብወግዒ ትገልጽ ዘላ፣ መንግስቲ ጅቡቲ ነቲ ብናይ ዱባይ DP World ክመሓደር ዝጸንሐ ወደብ ዶራለ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር መንግስቲ ከምዘእትዎ ኣብ ዘፍለጠሉ እዋን’ዩ።

መንግስቲ ጅቡቲ ነቲ ኣብ ናይ ኮንተይነር ተርሚናል ካብ ናይ ዱባይ DP World ብምሕዳግ ከምዘምሓድሮ ዝወሰነሉ ምኽንያት ብዝርዝር እኳ እንተዘይተገልጸ፣ ንቻይና ንምርካባ ምዃኑ ዝተፈላለየ ትንታነታት ኣሎ።

ኣብ ጅቡቲ ቀዋሚ ወትሃደራዊ መዓስከር ከፊታ ኣማኢት ወትሃደራታ ኣዋፊራ እትርከብ ቻይና፣ ከም ምህናጽ መንገዲ ባቡር፣ ጽርግያታት ምስፋሕ ወደባት ዝኣመለ ናይ ልዕሊ 5 ቢልዮን ዶላር ስምምዕ ምስ ጅቡቲ ከቲማ ከምዘላ ይፍለጥ።

ጅቡቲ ኣምሳያ ናይቲ ቻይና እትሃንጾ ዝተፈላለየ ናይ ትሕተ ቅርጺ ፕሮጀክታት፣ ተወሳኺ ወትሃደራዊ መዓስከር ከተቕውም ክትፈቕደላን ንወደብ ዶራለ ከተመሓድሮ ክትህባን ከምእትኽእል ተንተንቲ ይእምቱ።

ኣብ ሓሙሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ ዑደት ንምክያድ ተበጊሱ ዘሎ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ሬክስ ተለርሰን፣ ኣብ ጅቡቲ ኣብ ዝበጽሓሉ ብዛዕባ”ዚ ናይ ቻይና ስግኣታት ብዝምልከት ምስ ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገለ ክዘራረብ ምዃኑ ተሓቢሩ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0