ቻይና ኣብ ጅቡቲ ቀዋሚ ወትሃደራዊ መዓስከር ክወሃባ ትሓትት ኣላ

ቻይና ኣብ ጅቡቲ ቀዋሚ ወትሃደራዊ መዓስከር ክወሃባ ትሓትት ኣላ

Radio Erena: 11 May 2015

China army in Dj

ቻይና ኣብ ጅቡቲ ቀዋሚ ወትሃደራዊ መዓስከር ክህልዋ ትሓትት ምህላዋ ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ጉለ ምግላጹ ኣገልግሎት ዜና ቻይና ሽንሁዋ ሓቢሩ።

ቻይና፣ ኣብ ጅቡቲ ቀዋሚ ወትሃደራዊ መዓስከር ክህልዋ ትሓትት ዘላ ኣብ የመን ዘሎ ኩነታት ንባብ ኤልመንደብ ኣብ ሓደጋ ከእትዎ ይኽእል’ዩ ዝብል ስግኣት ብቀጻሊ ኣብ ዝዝረበሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

እታ ሃገር፣ ምስ ጅቡቲን ኢትዮጵያን ዝተተሓሓዘ ገዘፍቲ ፕሮጀክታት ክህልዋ እንከሎ፣ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ’ውን ቁጠባዊ ዕብለላኣ ንምርግጋጽ ትሰርሕ ምህላዋ’ያ ዝጥቀስ።

 

ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ጉለ ብዛዕባ’ዚ ናይ ቻይና ጠለብ ኣመልኪቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ ዝርርብ ይቕጽል ከምዘሎ ብምሕባር፣ ህላዌ ቻይና ኣብ መሬቱ ከምዘይቃወም ኣረጋጊጹ።

ኣመሪካ፣ ፈረንሳን ጃፓንን ኣብ ጅቡቲ ቀዋሚ ወትሃደራዊ ክህልወን እንከሎ፣ ቻይና’ውን ካብ መንግስቲ ጅቡቲ ፍቓድ እንተረኺባ፣ እታ ንእሽቶ ሃገር ካብ ብዝሒ ሰራዊታ ንላዕሊ ብዝሂ ሰራዊት ካልኦት ሃገራት ከተንእግድ’ያ ማለት’ዩ።

እዘን ሃገራት ብጉልባብ ጭውያ ንግዳዊ መራኽብን ሽበራን ብሓይሊ ባሕሪን ነፈርቲን ዝተዓጀበ ኣስሓት ሰራዊት ከዋፍራ እንከለዋ፣ እዚ ሕጂ ኣብ የመን ዘሎ ሻቕሎታት ከኣ ብዝያዳ ክደፍኣሉ ኣገዲዱወን ኣሎ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ የመን ዘሎ ኩነታት ብዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብቀጥታ ክጸልዎ ምዃኑ ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ጉለ ኣጠንቒቑ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ መግለጺኡ፣ የመን ዘላቶ ኩነታት ንሽበራውያን ጉጅለታት ጥጡሕ ባይታ ዝፈጥር ምዃኑ ብምዝክኻር፣ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ድማ እተን ቀንዲ ግዳያት እዚ ክኾና ከምዝኽእላ ኣረዲኡ።

==================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0