ቻይና፣ ዜጋታት ናይ ቪድዮ ሓበሬታ ኣብ ኢንተርነት ከይዝርግሑ ዝእግድ ሓድሽ ሕጊ ኣውጺኣ

Radio Erena: 22 December 2016

China Inter

ቻይና፣ ዜጋታት ናይ ቪድዮ ይኹን ናይ ድምጺ ሓበሬታ ኣብ ኢንተርነት ከይዝርግሑ ዝኽልክል ሓድሽ ሕጊ ከምዘውጽአት ዘ ጋርድያን ሓቢሩ።

ንኢንተርነት ብጽኑዕ ካብ ዝቆጻጸራ ሃገራት ሓንቲ ዝኾነት ቻይና፣ ነዚ ሓድሽ ሕጊ ተውጽእ ዘላ፣ ዝበዝሐ ህዝቢ ዓለም ብመንገዲ ፌይስቡክ፣ ትዊተር፣ ኢንስታግራምን ካልእን ዝኣመሰለ ማሕበራዊ ሜድያታት፣ ናይ ቪድዮን ድምጽን መልእኽታት ብብዝሒ ኣብ ዝዝርግሓሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

ቻይና፣ ብመሰረት እዚ ኣውጺኣቶ ዘላ ሓድሽ ሕጊ፣ ካብ ወግዓውያን ምንጭታት ወይ ከኣ ካብ መንግስታዊ ኣካላት ዝተወስደ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ወይ ሓበሬታ እንተዘይኮይኑ፣ ካልእ ብውልቂ ዝቕዳሕ ድምጺ ይኹን ቪድዮ ምዝርጋሕን ምክፍፋልን ኣይፍቀድን’ዩ።

እታ ሃገር ንትዊተር፣ ፌይስቡክ፣ ዩቱብን ካልእ ማሕበራዊ ሜድያታትን ጽኑዕ ቁጽጽር ከምእትገብረሉ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ነዚ ብደረጃ ዓለም ግኑን ዝኾነ ማሕበራዊ ሜድያታት ንምእላዩ’ውን መንግስቲ ብዝቆጻጸሮ ከም ሲና ዌቦን ( Sina Weibo) ዊ ቻትን (WeChat ) ዝኣመሰለ ማሕበራዊ ሜድያታት ተኪኣቶ ኣላ።

ብናጽነት ፕረስ ምስ ሰሜን ኮርያ፣ ኤርትራን ቱርኪመኒስታንን ኣብ ቅድሚት ተሰሪዓ እትርከብ ቻይና፣ ኢንተርነት ንምቁጽጻር ዝተራቐቐ መሳርሒታት ካብ ዝጥቀማ ሃገራት’ያ።

====================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0