ቻይና፣ ኣብ ጅቡቲ ዝሃነጸቶ ወትሃደራዊ መዓስከር ብወግዒ ኣመሪቓ

ቻይና፣ ኣብ ጅቡቲ ዝሃነጸቶ ወትሃደራዊ መዓስከር ብወግዒ ኣመሪቓ

Radio Erena: 02 August 2017

China Djibouti base

ቻይና ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዛ ኣብ ጅቡቲ ክትሃንጾ ዝጸንሐት ወትሃደራዊ መኦኣስከር ትማሊ ሰሉስ 1 ነሓሰ ብወግዒ ኣመሪቃ።

እታ ሃገር፣ ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዘቖመቶ ፈላሚ ወትሃደራዊ መዓስከር እተመርቕ ዘሎ መበል 90 ዓመት ምምስራት ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ቻይና ኣብ ዝጸንበለትሉ ዕለት’ዩ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ፣ ኣብቲ ካብ መሬታ ወጻኢ ዝሃነጸቶ ነይ መጀመርያ ወትሃደራዊ መዓስከር ባንዴራ ናይ ምንብልባል ጽምብል’ውን ኣካይዳ።

ኣብቲ ጽምብል ምክትል ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ቻይና ቲያን ዞንግን ሚኒስተር ምክልኻል ጅቡቲ ዓሊ ሓሰን ባዱን ዝርከብዎም ኣስታት 300 ላዕለዎት ውትሃደራውያን ሰበ ስልጣን ዕዱማትን ክልትኤን ሃገራት ተረኾቦም ኔሮም።

ናብዚ ቆይሙ ዘሎ ሓድሽ መዓስከር ዝተመደቡ ወትሃደራት፣ ኣጽዋርን ሎጂስቲክን ዝጸዓና ዕስለ መራኽብ ኵናት ዝሓለፈ ወርሒ ካብ ገማግም ባሕሪ ቻይና ተበጊሰን ጅቡቲ ከምዝኣተዋ ዝዝከር’ዩ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0