ቻይና፣ ኣብ ጂቡቲ ኣስታት ሓደ ቢልዮን ዶላር ዝግመት ማእከል መወንጨፊ ሳትላይትታት ናብ ህዋ ክትሃንጽ’ያ

Radio Erena: 11 January 2023

ቻይና፣ ኣብ ጂቡቲ ማእከል መወንጨፊ ሮኬታትን ሳትላይትን ናብ ህዋ ክትሃንጽ’ያ።

እዚ ኣስታት ሓደ ቢልዮን ዶላር ተገሚቱ ዘሎ ፕሮጅከት፣ ኣብ መንጎ መንግስታት ቻይናን ጂቡቲን ብዝተበጽሐ ስምምዕ ኮይኑ፣ ሆንግ ኮንግ ኤሮስፐይስ ብዝተብሃለ ኩባንያ’ዩ ክህነጽ።

እቲ ፕሮጀክት፣ ኦቦክ ኣብ ዝተባህለ ዞባ ጂቡቲ፡ ምህናጽ ወደብን ጽርግያታትን ከምዘጠቓልል ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገለ፡ ብ9 ጥሪ፡ ብትዊተር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ገሊጹ።

‘ጂቡቲ፣ ኣብ ቴክኖሎጂን ጸዓትን ዘተኮረ ናይ ምዕባለ ፕሮጀክታት ምስታፋ ሓበን ይስምዓኒ’ ዝበለ እቲ ፕረዚደንት፣ ኣብ መጀመርያ 2027 ክዛዘም ትጽቢት ከምዘሎ ኣተንቢሁ።

እቲ ፕረዚደንት ብዝሃቦ ሓበሬታ መሰረት፣ እቲ ብኩባንያ ሆንግ ኮንግ ኤሮስፐይስ ዝውነን ፕሮጀክት ድሕሪ 30 ዓመታት ናብ ጂቡቲ ክሰጋገር’ዩ።

ብ4 ጥሪ ናብ ጂቡቲ ምብጻሕ ዘካየደ፣ ብፕረዚደንት ናይቲ ኩባንያ፣ ኣለን ፉንግ ዝምራሕ ልኡኽ፣ ምስ ፕረዚደንት ገለን ሰበ ስልጣን መንግስቲን ድሕሪ ምርኻብ’ዩ እቲ ስምምዕ ተበጺሑ።

እቲ ኩባንያ፣ ኣብ ምህናጽ ሳትላይት፣ ምኽዛን ካብ ሳትላይት ዝተላእከ ሓበሬታን ምስዚ ቴክኖሊጂ ዝተተሓሓዘ ንጥፈታትን ዘካይደሉ ሓሙሽተ ማእከላት ከምዝውንን ይግለጽ።

እዚ ኣብ ጂቡቲ ክሃንጾ መዲቡ ዘሎ ማእከል መወንጨፊ ሳትላይትን ሮኬታትን ናብ ህዋ ድማ ኣብ ኣፍሪቃ ናይ ፈለማ ክኸውን’ዩ።
=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0