ቻይና፣ ንሓያሎ መራሒ ሃገራት ኣፍሪቃ ትስሊ ኣላ ተባሂላ

Radio Erena: 27 May 2020

 

ሄሪቴጅ ፋውንዴሽን ዝተባሃለ መጽናዕታዊ ትካል ኣብ ዘቕረቦ መርመራዊ ጸብጻብ፣ ቻይና ንሓያሎ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ከምእትስልዮም ኣቓሊዑ።

ቻይና፣ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ኣብያተ መንግስቲ ኣብ ምህናጽን ምሕዳስን፣ ምትካል ናይ ናይ ሓበሬታ ቴክኖሎጂን ካልእን ዝዓለመ ናይ ቢልዮናት ዶላራት ፕሮጀክታት’ያ ኣተጊብራ።

እንተኾነ፣ ኣብ ሓያሎ ካብዚ ፕሮጅከታት፣ ዝተራቐቐ መጸናጸኒ ናውቲ ብምትካል፣ ንመራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ትጸናጸን ከምዘላ’ዩ እዚ ካብቲ ትካል ዝተረኽበ ሓበሬታ ዘመልክት።

ብመሰረት እቲ ትካል፣ ቻይና፣ ኣብ ኣፍሪቃ ብውሕዱ 200 ኣብያተ መንግስትን መንግስታዊ ህንጻታትን ሰሪሓ ኣላ።

24 ካብኡ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንታትን ቀዳማይ ሚኒስተራትን ክኸውን እንከሎ፣ 26 ህንጻ ፓርላማ፣ 19 ድማ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ጉዳያት ይርከቦ።

ብዘይካ’ዚ 32 ወትሃደራዊ ማእከላትን’ውን ኣብ ኣፍሪቃ ብሓገዝ ቻይና ተሃኒጾም።

ኣብ መብዛሕትኡ’ዚ መንግስታዊ ህንጻታት፣ ብግዙፍ ናይ ቴክኖሎጂ ኩባንያ ‘ሁወይ’ ኣቢሉ፣ ምዕቡል ናይ ኢንተርነት መርበባት ተዘርጊሕሉ’ዩ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝርከብ፣ ዘመናዊ ቤትጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ ብህያብ ዝሃነጸት ቻይና፣ ብስዉር መጸናጸኒ ናውቲ ብምትካል፣ ንጥፈታት ናይቲ ሕብረት ትስሊ ከምዘላ ኣብ 2018 ክስታት ምቕራቡ ኣይርሳዕን።

ቻይና፣ ነዚ ብኣመሪካዊ ትካል መጽናዕቲ ዝቐረበ ጸብጻብ ወግዓዊ መልሲ ኣይሃበትሉን።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0