ቻይና፣ ነፈርቲ ክትስከም እትኽእል ናይ ኵናት መርከብ ከጸግዕ ዝኽእል ወደብ ኣብ ጂቡቲ ሃኒጻ

Radio Erena: 29 April 2021

ቻይና፣ ኣብ ጂቡቲ ዘቖመቶ ወትሃደራዊ መዓስከር ናይ ምስፋሕ መደባት ብምቕጻል፣ ካብ 2017 ኣትሒዛ ክትሃንጾ ዝጸንሐት፣ ነፈርቲ ክትስከም እትኽእል ናይ ኵናት መርከብ ከጸግዕ ዝክእል ወደብ ተዛዚሙ።

እቲ ወደብ ኣቐዲሙ፣ ከም ወሃቢ ድጋፍ ጥራይ ከገልግል ዝጸንሐ ኮይኑ፣ በዚ ተጌርሉ ዘሎ ምስፋሕ፣ ቻይና ንእትውንነን፣ ነፈርቲ ክስከማ ዝኽእላ ክልተ መራኽብ መልህቀን ከውርዳሉ ከኽእለን ምዃኑ ሰራዊት ኣመሪካ እዚ ኣፍሪቃ ኣረጋጊጹ።

ቻይና በዚ ከይተደረተት፣ ኣብ ኣፍሪቃ ካልእ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ንምህናጽ መደብ ከምዘለዋ፣ ኣዛዚ ናይቲ እዚ፣ ጀነራል ስቴፈን ታሰንድ ዝሓለፈ ሰሙን ንባይቶ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ገሊጹ።

ቻይና፣ ካብ መሬታ ወጻኢ፣ ብዕብየቱ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ናይ ፈለማ ወትሃደራዊ መዓስከር ኣብ ጂቡቲ’ያ ሃኒጻ።

ምስፋሕ መደበር ወተሃደራዊ ሓይሊ ቻይና ኣብ ጂቡቲ ስግኣት ዝፈጠረላ ኣመሪካ፣ ካብ ነዊሕ ዓመታት ኣትሒዛ ኣብታ ሃገር ዘቖመቶ ወትሃደራዊ መዓስከር ለሞንየ፣ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ብዘመናዊ መልክዑ ከተዕብዩ ከምዝወሰነት ይፍለጥ።
=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0