ቻይና፣ ሓድሽ ህንጻ ኢጋድ ኣብ ጂቡቲ ብሓገዝ ክትሃንጽ’ያ

Radio Erena: 06 April 2023

መንግስቲ ቻይና፣ ኣብ ጂቡቲ ሓድሽ ህንጻ ቤት ጽሕፈት ኢጋድ፣ ብሓገዝ ክሃንጽ’ዩ።

እቲ ኣስታት 45 ሚልዮን ዶላር ዝተገመተ ሓድሽ ህንጻ፣ ኣብ 12 ሽሕ ትርቢዒት ሜትሮ ከምዝህነጽ’ዩ ተሓቢሩ።

መንግስቲ ጁቡቲ፣ ንመህነጺ ዝኸውን መሬት ብናጻ ከበርክት እንከሎ፣ መንግስቲ ቻይና ብወገኑ ልዕሊ 45 ሚልዮን ዶላር ብሓገዝ ከምዝሰለዐ ቤት ጽሕፈት ኢጋድ ኣፍሊጡ።

ድሕሪ ክልተ ዓመታት ንክዛዘም ትጽቢት ዝግበረሉ ህንጻ ንምጅማር፣ ኢጋድን መንግስቲ ቻይናን፣ ብ03 ሚያዝያ ስምምዕ ከምዝኸተሙ እቲ ዞባዊ ውድብ ብትዊተር ኣፍሊጡ።

እቲ ኣብያተ ጽሕፈት፣ ኣዳራሻት፣ መዘናግዒ ማእከል፣ መዐሸጊ መካይን፣ ፓርክን ካልእን ዘጠቓልል ሓድሽ ህንጻ ኢጋድ፣ ብቻይናዊ ኩበንያ ክህነጽ’ዩ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ።

ኢጋድ በይናዊ ናይ መንግስታት በዓል ስልጣን ንልምዓት፣ ኤርትራ እትርከበን ሸሞንተ ኣባላት ሃገራት ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝሓቖፈ ዞባዊ ውድብ’ዩ።

እንተኾነ ኤርትራ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ንጡፍ ተሳትፎ የብላን።

ቻይና፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝርከብ፣ ኣስታት 200 ሚልዮን ዶላር ዝወድአ ሓድሽ ህንጻ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ብሓገዝ ከምዝሃነጸቶ ይዝከር።

እቲ ኣብ 2012 ናብ ኣገልግሎት ዝወዓለ ህንጻ፣ ንመጸናጸኒ ዝሕግዝ ዝተራቐቐ መሳርሒታት ተገጣጢምዎ ከይህሉ ዝብል ስግኣት ብሰፊሑ ይዝረበሉ ምንባሩ ኣይርሳዕን።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0