ሱዳንን ግብጽን ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ሓይሊ ባሕሪ ኣካይደን

Radio Erena: 06 April 2023

ሱዳንን ግብጽን፣ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ሓይሊ ባሕሪ ከምዘካየዳ መርበባት ዜና ካብ ካይሮ ሓቢረን።

እቲ ካብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት ኣትሒዙ፣ ኣብ ፖርት ሱዳን ዝተኻየደ ሓባራዊ ልምምድ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ከጋጥም ንዝኽእል ሽበራዊ መጥቃዕታትን ካልእ ስግኣታትን ንምምካት ዘኽእል ምዃኑ ኣፈኛ ሰራዊት ግብጺ፣ ጋሪብ ዓብደልሓፊዝ ገሊጹ።

ኣብቲ ልምምድ ዝተሳተፉ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ክልቲኤን ሃገራት፣ ኣብ ምግታእ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት፣ ምንቕስቓስ ሽበራን ካልእ ኣብቲ ኪሊ ማያት ከጋጥም ዝኽእል ስግኣታትን ብዝምልከት ክልሰ ሓሳባዊ ስልጠናታት ከምዝወሰዱ፣ መግለጺ እቲ ኣፈኛ ብተወሳኺ ኣገንዚቡ።

እቲ SUD-EGY-T-1 ዝተሰምየ ልምምድ፣ ኣካል ናይቲ ግብጺ ብመሪሕነት ተረኪባቶ ዘላ፣ ኣብ ሓለዋ ቀይሕ ባሕርን መጻብቦ ኤልመንደብን ዝተዋፈረ ኣህጉራዊ ሓይሊ ዕማም’ዩ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ መንግስቲ ግብጺ ኣብ ሲናይ ዝነበራ 37 ኣብያተ ትምህርቲ ብምዕጻው፣ ናብ ወትሃድራዊ መዓስከራት ከምዝቐየረን ተገሊጹ።

ዘ ጋርድያን፣ ማሕበር ሲናይ ንሰብኣዊ መሰላት ንዝተባህለ ኣህጉራዊ ትካል ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ሰራዊት ግብጺ፣ ነዚ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ኣብ ሲናይ ንዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ንምህዳን ኣብ ዝወፈረሉ፣ ነተን ኣብያተ ትምህርቲ ከምዝዓጸወን’ዩ ኣመልኪቱ።

ካልኦት ሓያሎ ኣብያተ ትምህርቲ’ውን ጠቕሊለን ዓንየን ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ከምዝኾና እቲ ኣብ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ትካል ወቒሱ።

======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0