ትግራይ፣ ሰብኣዊ ቅልውላው ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናበኣሰ ይመጽእ ኣሎ

Radio Erena: 06 September 2021

ኣብ ትግራይን ጎረባብቲ ክልላት ዓፈርን ኣምሓራን ዝካየድ ዘሎ ኵናት፣ ህጹጽ ረዲኤት ንዘድልዮ ህዝቢ ኣብ ግዜኡ ንኸይበጽሖ ዕንቅፋት ኮይኑ ምህላዉ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

እቲ ትካል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ሚልዮናት ህዝቢ ንምርዳእ፣ መዓልታዊ መሰረታዊ መግብታት ዝጸዓና ኣስታት 100 ዓበይቲ ናይ ጽዕነት መካይን ናብ ትግራይ ክኣትዋ ከምዘለወን ኣዘኻኺሩ።

እንተኾነ፣ ካብ 12 ሓምለ ኣትሒዙ፣ ብዝሒ ናብቲ ክልል ዝኣትዋ መካይን 10% ጥራይ’የን።

ብክልል ዓፈር፣ ብመንገዲ ከተማ ሰመራ ዝካየድ ዝነበረ መስርሕ ምብጻሕ ረዲኤት ድማ ካብ 22 ነሓሰ ኣትሒዙ ተቛሪጹ ይርከብ።

ንመሳለጥያ ሰብኣዊ ጉዳያት ዝኸውን ሰሙናዊ 200 ሽሕ ሊትሮ ነዳዲ ከምዘድሊ ዘመልከተ ሕቡራት ሃገራት፣ ካብ 12 ሓምለ ክሳብ 16 ነሓሰ ግና 280 ሽሕ ሊትሮ ጥራይ ናብ ትግራይ ክኣቱ ምኽኣሉ ኣተሓሳሲቡ።

ካብ 16 ነሓሰ ንደሓር ግና ናብ ትግራይ ዝኣተወ ነዳዲ የለን።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ኣስታት 7 ሚልዮን ዶላር ወይ ኣስታት 300 ሚልዮን ብር ከምዘድልዮ’ዩ ሕቡራት ሃገራት ጠቒሱ።

ይኹን’ምበር፣ ካብ 12 ሓምለ ኣትሒዙ፣ 47 ሚልዮን ብር ጥራይ ናብ ትግራይ ምእታዉ ኣገንዚቡ።

ነዚ ትግራይ ተኸሲቱ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮነ ኢሉ ብዝፍጽሞ ዘሎ ምዕጋት ምዃኑ ዝወቕሱ ወገናት፣ እቲ መንግስቲ ንጥሜት ከም ኣጽዋር ኵናትን መሳርሒ ፖለቲካን ይጥቐመሉ ምህላዉ ይወቕሱ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ፣ ጠንቂ ምዕጋት ረዲኤት ዝጸዓና መካይን፣ ሓይልታት ትግራይ ምዃኖም ይወቕስ።

ብዘይካ’ዚ ኣብ ክልል ትግራይ፣ ንሚልዮናት ኣንጸላልዎም ዘሎ ሓደ ጥሜት፣ ኣብ ክልላት ዓፈርን ኣምሓራን’ውን ነዚ ሓደጋ ‘ዚ ዝተቓልዐ ህዝቢ ልዕሊ 1.7 ሚልዮን በጺሑ ምህላዉ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት የመልክት።

እዚ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ፣ ኣንጸላልዩ ዘሎ ሓደጋ ጥሜት፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ 1984 ዘጋጠመ ታሪኻዊ ደርቂ፣ ዝበኣሰ ሰብኣዊ ሓደጋ ከየስዕብ ተሰጊኡ ኣሎ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ውድብ መግቢ ዓለም፣ ኣስታት 3500 ቶን ረዲኤት ዝጸዓና 100 መካይን ናብ መቐለ ከእቱ ከምዝኸኣለ ትማሊ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ኣፍሊጡ።

======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0