ጊኒ፣ ንልዕሊ 10 ዓመት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕረዚደንት፣ ብወትሃደራዊ ዕልዋ ተኣልዩ

Radio Erena: 06 September 2021

ሰራዊት ጊኒ፣ ነታ ሃገር ካብ 2010 ኣትሒዙ ክመርሕ ዝጸንሐ ፕረዚደንት ኣልፋ ኮንደ፣ ብወትሃደራዊ ዕልዋ ካብ ስልጣን ኣልዩዎ።

ወዲ 83 ዓመት፣ ፕረዚደንት ጊኒ ነበር ኣልፋ ኮንደ፣ ትማሊ ድሕሪ ዝተኻየደሉ ዕልዋ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ይርከብ።

ነቲ ዕልዋ ዝመርሐ፣ ኣብ ሓለዋ ቤተ መንግስትን ካልእ ኣገደስቲ ትካላትን ተዋፊሮም ናይ ዝጸንሑ ፍሉያት ሓይልታት ሰራዊት ኣባል ምዃኑ ዝተጠቕሰ፣ ኮለነል ማማዲ ዱምብያ ምዃኑ’ዩ ተሓቢሩ።

ማማዲ ዱምብያ፣ ኣባል ናይቲ ብወጻእተኛታት ዝቖመ፣ ብ ‘ለዠንየኽ’ ዝፍለጥ ሰራዊት ፈረንሳ’ውን ኔሩ’ዩ።

ግዝኣት ፈረንሳ ዝነበረት ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ እትርከብ ጊኒ፣ ካብ 1984 ኣትሒዙ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ሰለስተ ግዜ ወትሃደራዊ ዕልዋታት ተኻይዱላ።
===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0