ትሽዓተ ኣባላት ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ኣፍሪቃ ገበነኛታት ብብልሽውና ተኸሲሶም

ትሽዓተ ኣባላት ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ኣፍሪቃ ገበነኛታት ብብልሽውና ተኸሲሶም

uganda peace cብብልሽውና ተኸሲሶም ዝጸንሑ ትሽዓተ ኣባላት ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ኣፍሪቃ ገበነኛታት ምዃኖም ተረጋጊጹ።

እቶም ኣብ ሶማልያ ተዋፊሩ ምስ ዘሎ ዓቃብ ሰላም ዝጸንሑ ዩጋንዳውያን ወተሃደራት ነዳዲ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ክሸጡ ዝተረኽቡ ምዃኖም ካብ ሶማልያ ዝተፈነወ ሓበሬታ የመልክት።

 

ብሓፈሽኡ 18 ዩጋንዳውያን ወተሃደራት’ዮም ኣብ ክሲ ቀሪቦም። ትሽዓተ ካብኣቶም፣ ካብ ሓደ ክሳብ ሰለስተ ዓመት ማእሰርቲ ክፍረዱ እንከለዉ፣ ሰለስተ ከኣ ካብ ሰራዊት ክስጎጉ ተበዪኑሎም።

ኣቦ ወንበር ወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ ብርጌደር ጀነራል ዲክ ኦሉም ድሕሪ’ቲ ውሳኔ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ካብ ወተሃደራዊ ስርዓት ወጺኦም ንውልቃዊ ረብሓኦም ብምሕሳቦም ጥራይ ዘይኮነ፣ ናይ ካልኦት ብጾቶም ህይወት ኣብ ሓደጋ ስለዘእተዉ ዝግባእ ፍርዲ ከምዝተዋህቦም ሓቢሩ። ንሱ ብተወሳኺ ከምዚ ዓይነት ብልሽውና ኣብ ሰራዊት ዩጋንዳ ተጻዋርነት ከምዘይብሉ ገሊጹ።

ኣብ ሶማልያ ተዋፊሩ ዘሎ ኣካል ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝኾነ ሰራዊት ዩጋንዳ፣ ኣብታ ሃገር ክካየድ ተወጢኑ ንዘሎ ሓፈሻዊ ምርጫ ሰላምን ጸጥታን ከኽብር ትጽቢት ተነቢሩሉ ዘሎ እዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0