ው.ሕ.ሃ. ኤርትራ ንእትርከበን ሃገራት ናይ 50 ሚልዮን ዶላር ረዲኤት ሰሊዑ

ው.ሕ.ሃ. ኤርትራ ንእትርከበን ሃገራት ናይ 50 ሚልዮን ዶላር ረዲኤት ሰሊዑ

drought africaውድብ ሕቡራት ሃገራት ኤርትራ ንእትርከበን ሽዱሽተ ሃገራት ዝውዕል ናይ 50 ሚልዮን ዶላር ረዲኤት ሰሊዑ።

ኣካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንህጹጽ ረዲኤት ትማሊ 16 ነሓሰ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ እቲ ረዲኤት ብማሕበረሰብ ዓለም ግቡእ ኣቓልቦ ንዘይተዋህቦ ጉዳያት ዝውዕል ምዃኑ ድሕሪ ምሕባር፣ ቀንዲ ዕላምኡ፣ ህጹጽ ናይ ህይወት ኣድሕን ምላሽ ምሃብ ምዃኑ ገሊጹ።

 

ብተወሳኺ፣ 200 ሽሕ ስደተኛታት፣ 665 ሽሕ ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ዝተመዛበሉ፣ 170 ሽሕ ናብ ሃገሮም ዝምለሱ ከምኡ’ውን 530 ሽሕ ጽግዕተኛታት ካብዚ ተሰሊዑ ዘሎ ናይ 50 ሚልዮን ዶላር ረዲኤት ተኻፈልቲ ክኾኑ’ዮም።

ዳይረክተ’ቲ ጨንፈር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ስተቨን ኦብራየን ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ እቲ ዝወሃብ ሓገዝ ህጹጽ ናይ ህይወት ኣድሕን ምላሽ ዝግብኦ ግን ከኣ ማሕበረሰብ ዓለም ሸለል ንዝበሎ ጉዳያት ዝውዕል ብምዃኑ ብመጠኑ ለውጢ ከምጽእ ትጽቢት ከምዘለዎ ገሊጹ።

ኣብ ኤርትራ፣ ማእከላይ ኣፍሪቃ፣ ጫድ፣ ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ፣ ሩዋንዳ ከምኡ’ውን የመን ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው፣ ምዝንባዕ ኩነታት ኣየር ዘኸተሎ ባህርያዊ ጸገም ጥራይ ዘይኮነ፣ ኲናት፣ ፖለቲካዊ ቅልውላው፣ ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላት፣ ምስ ዋሕዲ መግብን ተላባዒ ሕማማትን ተሰንዩ ዝፈጠሮ’ውን ብምዃኑ ካብዚ ንላዕሊ ሸለል ክበሃል ከምዘይግባእ ስተቨን ኦብራየን ገሊጹ።

ጨንፈር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንህጹጽ ረዲኤት ነዚ ሕጂ ሰሊዑዎ ዘሎ 50 ሚልዮን ዶላር ወሲኽካ ኣብ ዓመተ 2016 ናይ 150 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ንዝተፈላለያ ሃገራት ወፍዩ ኣሎ። እንተኾነ ካብ ለገስቲ ሃገራት ክረኽቦ ትጽቢት ዝገበረሉ ናይ 450 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ገና ብዘይምምልኡ፣ ኣብ ዓለም ንዝረአ ሰብኣዊ ቅልውላው ግቡእ ምላሽ ከይሃበሉ ምጽንሑ የመልክት።

COMMENTS

WORDPRESS: 0