ቱርኪ ናብ ሶማል ዝልኣኸቶም ኣስታት 200 ወትሃደራት ሞቛድሾ ኣትዮም

ቱርኪ ናብ ሶማል ዝልኣኸቶም ኣስታት 200 ወትሃደራት ሞቛድሾ ኣትዮም

Radio Erena: 24 August 2017

Turkey Somalia

መንግስቲ ቱርኪ ኣብ ሶማል ናብ ዘቖሞ ወትሃደራዊ መዓስከር ዝመደቦም ኣስታት 200 ወትሃደራት ብ23 ነሓሰ ናብ ከተማ ሞቛድሾ ከምዝኣተወ ወትሃደራውያን ምንጭታት ሓቢሮም።

ተወሰኽቲ ወትሃደራትን ኣጽዋርን’ውን ኣብዚ ቀረባ ክልኣኹ ምዃኖም እቶም ምንጭታት ጠቒሶም።

ቱርኪ፣ ንኽህነጽ ክልተ ዓመታት ዝወሰደ ወትሃደራዊ መዓስከራ ኣብ ሶማል ኣብ ወርሒ መስከረም ብወግዒ ከተመርቖ’ያ።

እቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናይ መጀመርያ ዝኾነ ወትሃደራዊ መዓስከር ቱርኪ ኣብ ሓደ እዋን ኣስታት 1500 ወትሃደራት ከእንግድ ትጽቢት ይግበረሉ።

ቱርኪ፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ 2015 ኣብ ቀጠር ዝሃነጸቶ ወትሃደራዊ መዓስከር፣ ካብ መሬታ ወጻኢ ቀዋሚ ወትሃደራዊ መዓስከር ክትከፍት እዚ ናይ ሶማል ንኻልኣይ እዋና’ዩ።

ብድኽነትን ደርቂን ዝተፈልጠ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ እቲ ዞበዝሐ ናይ ወጻኢ ሃገራት ወትሃደራዊ መዓስከራት ኣእንጊዱ ዘሎ ዞባ ኣፍሪቃ’ዩ።

ኣብ ጅቡቲ፣ ናይ ኣመሪካ፣ ፈረንሳን ቻይናን፣ ኣብ ኤርትራ ናይ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ኣመሪካ መናሃርያ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ፣ ኣብ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ናይ ስዑዲ ዓረብ፣ ሕጂ ድማ ኣብ ሶማል ናይ ቱርኪ ወትሃደራዊ መዓስከራት ቆይሙ ኣሎ።

ኣብ ቀርቢ ኣፍሪቃ እታ ዝበዝሐ ወትሃደራዊ መዓስከራት ወጻኢ ሃገራት ኣእንጊዳ ዘላ፣ እታ ኣብቲ ዞባ ዝነኣሰት ሃገር ጅቡቲ’ያ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0