ምምሕዳር ትራም፣ ንዝስጎጉ ዜጋታተን ምቕባል ዝኣበያ ኣርባዕተ ሃገራት ናይ ቪዛ እገዳ ከምዘተግበረ ይግለጽ ኣሎ

ምምሕዳር ትራም፣ ንዝስጎጉ ዜጋታተን ምቕባል ዝኣበያ ኣርባዕተ ሃገራት ናይ ቪዛ እገዳ ከምዘተግበረ ይግለጽ ኣሎ

Radio Erena: 24 August 2017

US State Department

ምምሕዳር ትራም ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ንዘይብሎም ወጻእተኛታት ክሰጉግ ድሕሪ ዘሕለፎ ውሳኔ፣ ንዝስጎጉ ዜጋታተን ምቕባል ዝኣበያ ኣርባዕተ ሃገራት ናይ ቪዛ እገዳ ከምዝገበረ ማዕከን ዜና ዋሽንግተን ታይምስ ሓቢሩ።

ሰበ ሰልጣን ውሽጣዊ ድሕነትን ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢን ነዚ ናይ ቪዛ እገዳ ከምዘረጋገጽሉ ዝሓበረ እቲ ማዕከን ዜና፣ እተን ሃገራት ግና መነመን ምዃናን ካብ ምንጻር ከምዝተቖጠቡ ኣመልኪቱ።

ይኹን’ምበር እተን ናይ ቪዛ እገዳ ተነቢሩልን ዝብሃል ዘሎ ኣርባዕተ ሃገራት፣- ኤርትራ፣ ካምቦድያ፣ ጊኒን ሰራልዮንን ምዃነን ዋሽንግተን ታይምስ ንናይ ምንጭታት ግምታት ብምጥቃስ ገሊጹ።

እዚ ብማዕከን ዜና ዋሽንግተን ታይምስ ቀሪቡ፣ ኣመሪካ ብ ልዕሊ ኣርባዕተ ሃገራት እገዳ ቪዛ ከምዝገበረት ዝገልጽ ሓበሬታ፣ ዛጊት ኣብ ውግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣይተዘርግሐን።

ሮይተርስ ኣቐዲሙ ኣብ ዝዘርግሖ ተመሳሳሊ ሓበሬታ፣ ዜጋታተን ናብ ኣመሪካ ዝገሹ ኩለን ሃገራት፣ ቪዛ ቅድሚ ምሕታት፣ ምሉእ ሓበሬታ ገያሻይ ናብ ኤምባሲ ኣመሪካ ከረከባ ዝብል ሓድሽ መምርሒ ናብ ኩለን ኤምባሲታት ኣመሪካ ተመሓላሊፉ ኣሎ።

እዚ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ሽበራውያንን ካልእ ከበድቲ ገበናትን ንዝፈጸሙ ብቀሊሉ ንምልላዮም ክሕዝግ’ዩ ዝበሎ ሓድሽ መምርሒ ንኽትግበር ምትሕብባር ዝኣበየት ሃገር ናይ ቪዛ እገዳ ክግበረላ ከምዝኽእል ሮይተርስ የገንዝብ።

ኩለን ሃገራት፣ ነዚ ብኣመሪካ ወጺኡ ዘሎ ሓድሽ ናይ ምትሕብባር ፕሮቶክል ኣብ ውሽጢ 50 መዓልታት ከተግብራ’ያ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ጸዊዑ ዘሎ።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0