ቱርኪ፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 149 ስደተኛታት ቀይዳ

ቱርኪ፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 149 ስደተኛታት ቀይዳ

Radio Erena: 14 July 2015

149turk

ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ቱርኪ፣ ብክልተ ጀላቡ ዝመጹ ዜጋታት ኤርትራ ዝርከብዎም 149 ስደተኛታት ቀይዶም።

እቶም ናብ ሰኑይ 13 ሓምለ ናብ ዘውግሐ ለይቲ ናብ ገማግም ባሕሪ ቱርኪ ዝተበገሱ ስደተኛታት፣ ብሓለዋ ገማግም ባሕሪ ድሕሪ ምትሓዞም፣ ጉዳዮም ተጻርዩ ነናብ ዓዶም ክምለሱ ምዃኖም ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ይገልጹ።

እንተኾነ፣ ጉዳይ ስደተኛታት ሶርያን ኤርትራን ኣብ ኤውሮጳ ፍሉይ ቆላሕታ ስለዝወሃቦ፣ መብዛሕቶም ካብ ምጥራዝ ክድሕኑ ትጽቢት ኣሎ።

 

ሓያሎ ካብቶም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዘለዉ ዜጋታት ኤርትራ፣ ሶርያ፣ ኣፍጋኒስታንን በርማን ደቂንስትዮን ቆልዑን ምዃኖም’ውን እቲ ካብ ግሪኽ ዝተፈነወ ዜና የረድእ።

ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ ካብ ቱርኪ ናብታ ኣባል ሕብረት ኤውሮጳ ዝኾነት ግሪኽ ብመንገዲ ኣግያን ባሕሪ ናይ ዝውሕዙ ዘለዉ ስደተኛታት ብዝሒ እናተዓጻጸፈ ይመጽእ ከምዘሎ ጸብጻባት ኢምግሬሽን እታ ሃገር የመልክት።

==========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0