ቱርኪ፣ ኣብ ሶማል ንዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ዝውዕል ህጹጽ ሓገዝ ልኢኻ

Radio Erena: 30 December 2019

መንግስቲ ቱርኪ፣ ኣብ ሶማል ብዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ንዝተጎድኡ ዝውዕል ህጹጽ ሓገዝ ልኡኹ።

እቲ መንግስቲ፣ ኣብ ህጹጽ ረዲኤት ዝውዕል ዝተፈላለየ ናውቲ ሕክምናን ሰብ ሞያን ዝጸዓነት ወትሃደራዊት ነፋሪት ናብ ሞቛድሾ ክልእኽ እንከሎ፣ ብከቢድ ንዝተሃስዩ ድማ ንዝልዓለ ሕክምና ናብ ቱርኪ ኣግዒዙ።

ኣብቲ ብቀዳም 28 ታሕሳስ ኣብ ሞቛድሾ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፣ ክልተ ቱርካውያን ዝርከብዎም ብውሕዱ 80 ሰባት ክቕተሉ እንከለው ልዕሊ 150 ድማ ብኸቢድን ፈኵሲን ቆሲሎም’ዮም።

ኣብ ሶማል፣ ኣብ ስልጠና ፍሉያት ሓልታትን ፖሊስን ዝተዋፈሩ ቱርካውያን ከምዘለዉ ይፍለጥ።

10ታት ግዳያት እቲ መጥቓዕቲ’ውን ሰልጠንቲን ኣባላት ፖሊስን ምዃኖም ተሓቢሩ።

እቲ ብሽበራውያን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፣ ከቢድ ሰብኣዊ ጉድኣት እኳ እንተብጽሐ፣ ንመንፈስ ሶማላውያን ክሰብር ከምዘይክእለ ፕረዚደንት መሓመድ ዓብደላ ፋርማጆ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ገሊጹ።

ሕብረት ኣፍሪቃን ሓያሎ ሃገራትን ዓረብን ነቲ ብኣልሸባብ ከምዝተፈጸመ ዝግለጽ መጥቃዕቲ ኮኒኖሞ።

ይኹን’ምበር፣ ጎረባብቲ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ህጹጽ ሓገዝ ናይ ምልኣኽ ይኹን ናይ ምትሕግጋዝ መንፈስ ከምዘየረኣያ ዝተፈላለ ወገናት ሶማል ይነቕፉ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0